ኣመሪካ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ስሒባ

ፕረዚደንት ትራምፕ ትማሊ ሰኑይ ድሕሪ ስነ-ስርዓት ጽንብል ኣብ ዝፈረሙዎ ትእዛዛት፡ ኣመሪካ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዝወጽአት ገሊጾም። ትራምፕ ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19 ምስቲ ውድብ ኣብ ምትፍናን ዝጸንሑ ኰይኖም፡ ኣመሪካ ካብቲ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ውድብ ምስሓባ ዝተሰምዖ ሓዘን እቲ ውድብ ገሊጹ። "ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ድሕነት ዜጋታት ኣመሪካ ሓያል ተራ'ዩ ተጻዊቱ፡" ዝበለ መግለጺ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብቲ እቲ ብፕረዚደንት ትራምፕ ክቐርበሉ ዝጸንሐ ነቕፌታ በብእዋኑ ክነጽጎ ጸኒሑ'ዩ።

እንተዀነ ቻይና ምስቲ ውድብ ዘለዋ ምትሕብባር ብምቕጻል ምውላ ከተሕይል ምዃና ሓቢራ ኣላ-።