ዋሽንግተን —
ቻይና ነቲ ንዕድላት ስራሕ ኣመሪካ ስግኣት’ዩ ዝተባህለ ኣብ መዳይ ኢንዱስትሪ ትኽተሎ ፖሊሲ ንኽትቅይር ምምሕዳር ባይደን ክደፍእ‘ዩ ክብላ ሓላፊት ቤት-ግምጃ ኣመሪካ ጃነት የለን ኣፍሊጠን።
ጃነት የለን ነዚ ዝበላ ሎሚ ሰኑይ ምስ ሰበ ስልጣን ቻይና ኣርባዕተ መዓልታት ድሕሪ ዘካየደኦ ልዝብ ምዝዛመን'ዩ።
ቻይና ነዚ እትህቦ ምላሽ እንታይ ከምዝኸውን ግን ንጹር ኣይኮነን።