ሰበ-ስልጣን ኣመሪካን ዩክሬንን ኣብ ጉዳይ ኲናት ምስ ሩስያ ተዘራሪቦም

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ሰበ-ስልጣን ኣመሪካን ዩክሬንን ኣብ ጉዳይ ኲናት ምስ ሩስያ ተዘራሪቦም

ሰበስልጣን ኣመሪካን ዩክሬንን ኣብ ጅዳ ስዑድያ ዝርርብ ኣብ ዝጀመርሉ እዋን፡ ብወገን ዩክሬን ምስ ሩስያ ከፊላዊ ምቁራጽ ተኹሲ ይገበር ዝብል እማመ ክቐርብ ትጽቢት ይግበር ኣሎ።

ዝቐርብ እማመ፡ ናይ ነዊሕ ርሕቐት ሚሳይላት ጠጠው ክብልን፡ ንጸሊም ባሕሪ ዝሽፍን ምቁራጽ ተኹሲ ክግበርን ዝጽውዕ'ዩ። ኣብቲ ናይ ጅዳ ዝርርብ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎድምር ዘለንስኪ ኣይተረኽበን። ብሓለቓ ስታፉ፡ ሚንስተር ወጻኢኡ፡ ሚንስተር ምክልኻሉ ከምኡ'ውን ወታሃደራዊ ኣዛዚኡ ተወኪሉዩ ናብቲ ዝርርብ ቀሪቡ ዘሎ። ሓለቓ ስታፉ ኣንድሪ የርማርክ ሎሚ ቅድሚ`ቲ ኣኼባ ምጅማሩ ንሪፖርተራት ክገልጽ ከሎ፡ "ዩክሬን ሰላም ንምዕዋት ኩሉ ትኽእሎ ክትገብር ቅርብቲ ኣላ" ኢሉ።

ዩክሬን ውሕስነት ጸጥታ ትሓትት እንተኾይና ዝተሓተተ በዓል ስልጣን ዩክሬን፡ እወ፡ ሩስያ ካልኣይ ግዜ ዘይትወረና ምዃና መረጋገጺ ንደሊ ኢና ኢሉ።

ብወገን ኣመሪካ ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ዝመርሕዎ ዘለዉ፡ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮን ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ማይክ ዎልዝን`ዮም። ነቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝደፍኣሉ ዘሎ ምዝዛም እቲ ኲናት እዮም ዝደፍኡ ዘለዉ።

ሩቢዮ ትማሊ ሰኑይ ክዛረብ ከሎ፡ ኣመሪካ ነቲ ንዩክሬን ጠጠው ኣቢላቶ ዘሎ ሓገዝ ፍታሕ ክትደልየሉ ተስፋ ትገብር ኢሉ ኔሩ።

ዩክሬን እንታይ መሰማምዒ ሓሳባት ከም ተምጽእ ፡ኣመሪካ ኣብ ምስማዕ እያ ዘላ ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።

ዩክሬናውያን ኣብዚ ሰዓት`ዚ ኩሉ ሓበሬታ ስለያ ምክልኻል ይረኽቡ ኣለዉ ዝበለ ማርኮ ሩቢዮ፡ ጠጠው ኢሉ ዘሎ ሓገዛት ፍታሕ ክነምጽኣሉ ተስፋ ንገብር ኢሉ።

ንሱ ቐጺሉ ንኲናት ሩስያን ዩክሬንን ወተሃደራዊ ፍታሕ ስለዘይርከቦ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ከቢድ ውሳነ ክበጽሓ ኣለወን ኢሉ ።

ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ወደባዊት ከተማ ጂዳ ንማርኮ ሩቢዮ ዝረኸቦ ወራሲ ዓራት ስዑድያ ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ናይ ንግሆ`ውን ኣብ ሪያድ ምስ ፕረዚደንት ዩክሬን ዘለንስኪ ተራኺቡ ኔሩ`ዩ።

ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ንዩክሬን ወተሃደራዊ ሓገዝ ክትቅጽለላ እንተኾይና፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ማዕድናት ናይ ምጥቃም መሰል ክህልዋ ኣለዎ ዝብል ድምጺ ውን ኣስሚዑ ኔሩዩ። ዩክሬን ከም ኡራንየም ሊትየም ቲታንየም ዝበሉ ማዕድናት ቭዝሒ ከም ዘለውዋ እዩ ዝእመን።

ሩቢዮ ንሪፖርተራት ኣብዚ ናይ ሎሚ ኣጀንዳና ብዛዕባ ስምምዕ ማዕድናት ዩክሬን ኣይኮነን ቀዳማይ ትኹረትና፡ ንሱ ገና ብሕጂ ዝስርሓሉ ጉዳይ እዩ ዝኸውን ዝብል ርእይቶ ሂቡ`ሎ ።

እቲ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንብሪጣንያን ፈረንሳን`ውን ኣብቲ ዝርርብ ሰላም ሃናጺ ተራ ተጻዊተን ዝብል ኣፍልጦ ሂብወን ኣሎ።

ሩቢዮ ንድምጺ ኣመሪካ ክዛረብ ከሎ ድማ፡ ብዛዕባ ቻይና ኣብ ድሕሪ ኲናት ዩክሬን ኣመሪካ ዝህልዋ ናይ ዳግመ-ህንጸት ተራ ዝምልከት ኣይተዘራረብናን ኢሉ።