ዋሽንግተን —
ኲናት ሩስያን ዩክሬንን ደው ንምባል ብኣመሪካ ዝምራሕ ጻዕሪ ሓጎጽጎጽ ኣብ ዝርእየሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብዚ ሰሙን`ዚ'ውን ኣብ መንጎ ዋሺንግተንን ኪየቭን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርርብ ክካየድ ተመዲቡ`ሎ።
ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ ምስ ልኡኻት ዩክሬን ንምርኻብ ትማሊ ሰንበት ናብ ጅዳ ስዑዲያ ከይዶም ኣለው። ዕላማ'ዚ ርክብ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝሓዞ ሸቶ ንምድቃስ ኲናት ሩስያን ዩክሬንን ንምዕዋት ከምዝኾነ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ይገልጹ።
እዚ መገሻ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝስማዕ ዘሎ፡ድሕሪ`ቲ ኣብ ዋይት ሃዋስ ለካቲት 28 ዝነበሮም ወጥሪ ዝመልኦ ርክብ ፕረዚደንት ዩክሬን ናብ ፕረዚደንት ትራምፕ ሓደ ናይ መተዓረቒ ደብዳበ ድሕሪ ምልኣኹ`ዩ።