ዋሽንግተን —
ኣብ ወርሒ ጥሪ መዝነት ምምሕዳር ኣመሪካ ዝርከብ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንሰብ-መዚ ፓናማ ናይ መፈራርሒ ቃል ኣውጺኡን ኣድላዪ እንተዀይኑ ድማ ኣመሪካ ደጊማ ነቲ መትረብ ክትቆጻጸሮ ምዃና ኣጠንቂቑን። ትራምፕ፡ ጽልዋ ቻይና ኣብቲ መትረብ ይዓብይ ከም ዘሎ ከመልክት ከሎ ፕረዚደንት ፓናማ ግን ነቲ ክሲ ነጺግዎ ኣሎ።
ትራምፕ ንኣጠቓቕማ መትረብ ፓናማ ኣመልኪቱ ኣብቲ ኣብ ፊኒክስ ኣሪዞና ዝገበሮ መደረ’ዩ፡ መንግስቲ ፓናማ በቲ መትረብ ንዝሓልፋ መራኽብ ልዕሊ ዓቐን ግብሪ ክኸፍላ ይግደዳ ኣለዋ ዝብል ምጉት ኣለዎ። እዚ መትረብ ካብ ሰላማዊ ናብ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ዝሰግራ መራኽብ ዝሓልፋሉ ኣዝዩ ቍልፊ ቦታ’ዩ።
በዚ መትረብ መዓልታዊ ኣስታት 30 መራኽብ ይሓልፋ።