ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ትህቦ ሓገዝ መግቢ ዳግማይ ምጅማራ ትገልጽ

ኣህጉራዊ ልምዓት ኣመሪካ(ዩ.ኤስ.ኣይ.ዲ ) ብሰበስልጣን ውሽጢ ሃገር ተፈፂሙ ብዝተባህለ ብልሽውና ምኽንያት ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ደው ኣቢልዎ ዝፀንሐ ምሃብ ሓገዝ መግቢ ኣብ መወዳእታ ዝመፅእ ወርሒ ታሕሳስ ዳግማይ ኣብ ኢትዮጵያ ክጅምር ምዃኑ ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ምኽዛን፣ ምልኣክን ምክፍፋልን ኢዱ ከምዘልዕል ድሕሪ ምስምምዑ ኣህጉራዊ ልምዓት ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ካብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ንዝመጹ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ዝህቦ ሓገዝ መግቢ ዳግማይ ምጅማሩ ይዝከር።

እዚ ዳግማይ ክጅምር ተወጢኑ ዘሎ ሓገዝ እቲ ትካል ኣብ ምዝገባ ተጠቀምትን ምክትታል ዝተለገሰ እኽልን ዝነበረ ኣሰራርሓታቱ ብምምሕያሽ ንዝገበሮ ለውጢ ስዒቡ ምዃኑ ወሃቢት ቃል'ቲ ትካል ጀሲካ ጀኒንግስ ትማሊ ሰሉስ 14 ሕዳር 2023 ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ገሊጸን።

እዚ ሓዱሽ ስጉምቲ ንሓደ ዓመት ዝፍተን ምዃኑ “ኣብ ስርዓት ኣወሃህባ ሓገዝ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ለውጢ ዘምፅእን እቲ ሓገዝ ብቀጥታ ናብ ኢድ ተሓገዝቲ ምብፅሑ ንምርግጋፅ ዝሕግዝ እዩ” ኢለን።

ኣህጉራዊ ልምዓት ኣመሪካ፡ፕሮግራም መግቢን ሕቡራት ሃገራትን ናብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ክለኣኽ ተሓሲቡ ዝነበረ ሓገዝ እኽሊ ንምስራቅ ብሰበ ስልጣን መንግስቲ ዝተፋሕሰ ውዲት ድሕሪ ምቅልዑ ኣብ መፋርቅ ወርሒ መጋቢት ናብ ክልል ትግራይ ዝኸይድ ሓገዝ ጠጠው ምባሎም ዝዝከር እዩ። እቲ ስርቂ ኣብ ሙሉእ እታ ሃገር ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋፆም ድማ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሰነ ኣብ ሙሉእ እታ ሃገር ሓገዛቶም ኣቋሪፆም።

ከም ሓበሬታ ሰበስልጣን ኣህጉራዊ ልምዓት ኣመሪካ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ስርቂ ሓገዛት መግቢ እቲ ዝዓበየ ከይኮነ ከምዘይተርፍ ይገልጹ። ቅድሚ ሎሚ ብልሽውና ንምግታእ ክበሃል ሰበስልጣናት ኢትዪጵያ ኣብ ከይዲ ሓገዛት ረዲኤት ዝኾነ ግደ ንከይህልዎም ክገብር ምፍታኑ እውን እዩ እቲ ትካል ይገልጽ።

እቲ ክልከላ ነቶም ብምኽንያት ድርቅን ኲናትን ኣብ ሓገዝ መግቢ ንዝተሞርኮሱ 20.1 ሚልዮን ሰባት ዝፀለወ ኮይኑ ከም ሓበሬታ ኣሶሴይትድ ፕረስ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ድሕሪ እቲ ክልከላ ብኣማኢት ወይውን ብኣሻሓት ዝቁፀሩ ሰባት ብስእነት መግቢ ምሟቶም ይገልፅ። ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝተገብረ ስምምዕ ጠጠው ምባል ተዂሲ ነቲ ንኽልተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ክካየድ ዝፀንሐ ኲናት ኣቋሪፁዎ እዩ። ትካል ረዲኤት ኣመሪካ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ሕጂ እውን ኣብ ምብፃሕ ሓገዝ መግቢ ክሳተፉ ንምኳኖም ኣመልኪቱ ዝበሎ የለን።ወሃቢት ቃል'ቲ ትካል ጀሲካ ጀኒንግስ “መንግስቲ ኢትዮጵያ መግብን ኣብቲ ሰብኣውያን መሻርኽቲ ዘተኣታተውዎ ለውጢ ኣሰራርሓ ምስምምዑ ብምግላፅ እዚ ድማ መሻርኽትና ዝያዳ ተቃላዕቲ ተጠቀምቲ ናይ ምልላይን ምፅዳቅን ዓቅሞም ከሓይሉ ይሕግዝ” ኢለን።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም እውን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ረዲኤት ምሃብ ዝጀመረ ኾይኑ ኣብ ሙሉእ እታ ሃገር ግን ደጊሙ ረድኤት መግቢ ኣይጀመረን።