ዋሽንግተን —
ኣመሪካ፣ ተወሳኺ 200 ሚልዮን ዶላር ንሱዳን ከምትልግስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ኣፍሊጦም።
ንሶም ነዚ ዝገለጹ ኣብ’ቲ ንሶም ትማሊ ዝመርሕዎ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት እዩ። ውግእ ካብ ዝጀመረሉ ጊዜ ንደሓር ኣመሪካ ንሱዳን ልዕሊ 2.3 ቢልዮን ዶላር ከምዝለገሰት ተሓቢሩ’ሎ።
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንጉዳይ ሱዳን ታም ፒሪሎ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ኣመሪካ፣ ኣብ ሱዳን ዝጀመረቶ ሰብኣዊ ሓገዝ ኽሕይል ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦ ዋላ’ውን ንጊዚኡ እንተኾነ ክኽተም እዩ ኢሉ።