ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ኣብ ክልል ትግራይ ገበናት ኲናት ተፈጺሞም'ዮም ይብል፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ይነጽግ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን፡ ኣመሪካ ኣብ እዋን`ቲ ናይ ክልተ ዓመታት ጨካን ኲናት፡ ወተሃደራት መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ፡ ሓይልታት ህወሓትን ኣምሓራን ገበናት ኲናት ፈጺሞም`ዮም ኣብ ዝብል ድምዳመ በጺሓ`ያ ኢሉ።