ኣብቲ ጸብጻብ ቻይና ፡ሰሜን ኮርያን ሶርያን ሓዊሱ 23 ሃገራት ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብቐዳምነት ዝተስርአ ሃገራት ክብል ረቑሑወን።
ዋሽንግተን —
ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግድን ደቂ ሰባት ዘበናዊ ባርነት’ዩ። ኣብ ዙርያ ዓለም 20 ሚልዮን ንዝግመቱ ሰባት ነጻነት ዝነፍግ በዓል በቢልዩናት ዝግመት ገበናዊ ኢንዱስትሩ’ዩ ይብሉ ሰነ ስልጣናት ኣሜሪካ፡ ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻቡ ንቻይና ናብ ብርኪ ደቡብ ኮርያን ሶርያን ኣውሪድዎ’ሎ።
“ ኣብዚ ናይዚ ዓመት’ዚ ጸብጻብ ቻይና ናብ ሳልሳይ ብርኪ ወሪዳ’ላ፡ ምክንያቱ ነቲ ካብ ደቡብ ኮርያ ናይ ቻይና ዝመጹ ደቡብ ኮርያዊያን ሸቓሎ ሓዊሱ ዝተሓላለኸ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግድን ሰባት ንምግታእን ደው ንምባል ተባዕ ስጉምቲ ዘይምውሳደን’ዩ።”
እዚ ንቻይና ናብ ዝተሓተ ብርኪ ናይ ምውራድ ስጉምቲ ብምምሕዳር ትራምፕ ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ቻይና ዓብይ ተግሳጽ ተዋሂቡ’ሎ፡ ቻይና ግን ነዚ አውጊዛቶ’ላ።
Your browser doesn’t support HTML5
ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግድን ደቂ ሰባት ዝምልከት ዓመታዊ ጸብጻብ ኣውጺኡ