ባይደን ግብረመልሲ ኣብ ዮርዳኖስ ዝተቐትሉ ወታሃደራት ኣመሪካ ከምዝወሃብ ይገልጹ

  • ዜና ቪኦኤ

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዮርዳኖስ ንሰለስተ ኣመሪካዊያን ወታሃደራት ዝቐተለን ብኢራን ዝደገፉ ሚልሽያ ፈፂሞምዎ ንዝተባህለን መጥቃዕቲ ድሮን መልሲ ከምዝህብሉ ኣብ ዝተዛረቡሉ ቤተ መንግስቲ ዋይትሃውስ ድማ ምስ ኢራን ኲናት ከምዘይደሊ ገሊፁ። ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ(ኮንግረስ) ግብረ-መልሲ ክወሃብ ድፊኢት ይገብር ኣሎ።

ኣብ ዮርዳኖስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ንሰለስተ ኣመሪካዊያን ወታሃደራት ድሕሪ ምቕታሉ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ግብረ መልሲ ክህበሉ ድፍኢ ይግበረሉ’ሎ። ኣመሪካ ነቲ መጥቃዕቲ ኣብ ጥቓ ሶሪያን ዒራቕን ዝንቀሳቐሱን ብኢራን ዝድገፉን ሚልሽያ እዮም ፈፂሞምዎ ክትብል ትኸስስ።

ሰበስልጣን ምምሕዳር ባይደን ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ ኢራን አላ ይብሉ። ይኹን ደኣ እምበር ዝርዝር ኣይሃቡን፤ ቀፃሊ ዝውሰድ ስጉምቲ እውን ኣይገለፁን።

ዳይረክተር ስትራተጂክ ኮሚኒኬሽን ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ጆን ኪርቢ ግብረ መልሲ ክንህበሉ ኢና ኢሎም።

"ካብዚ ዘለኹዎ መድረኽ ብዛዕባ ዝውሰድ ግብረ መልሲ ክዛረብ ኣይክእልን። ፕረዚደንት ባይደን ትማሊ ከምዝተዛረቦ ግብረ መልሲ ክንህበሉ ኢና። ኣብ ዝደለናዮ ሰደቓ ግዜ ክንገብሮ ኢና። ከም ዋና ኣዛዚ ሰራዊት እቲ ፕረዚደንት ብዝመረጾ ኣገባብ ክንገብሮ ኢና። እዞም ብቴህራን ዝድገፉ ጉጅለታት ንህይወት ኣመሪካዊያን ወታሃደራት ከምዘጥፍኡ ብዝግባእ ተረዲኢና ኢና ንሰርሖ።"

ሓደ ነገር ግን ንፁር ክኸውን ኣለዎ ይብሉ ከርቢ "ምስ ኢራን ኲናት ኣይንደልን። ምስቲ ስርዓት ብወታሃደራዊ መገዲ ግጭት ክህልው ኣይንደልን።"

ሰበስልጣን ኢራን ኣብቲ መጥቓዕቲ ኢድ ኣለዎም ንዝብል ነፂጎምዎ።

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ካሲር ካናኒ "ዋላ ምስ ኣመሪካ እውን እንተኾነ ኣብዚ ዞባ ይኹን ካብዚ ዞባ ወፃኢን ወጥሪ ኣይንደልን። እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ንዓለምለኻውን ዞባውን ምስሕሓባት ብፖለቲካዊ ፍታሕ ክረኽቡ እያ ትኣምን።"

ዋና ፀሓፊ ኔቶ የን ስቶልተንበርግ ትማሊ ብሰሉስ ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ስኽፍትኦም ብምግላፅ ኣፃብዕቶም ናብ ኢራን ኣቋሚቶም ኣለው።

ሓላፊ ስለያ ኣሜሪካ ነበር በርናርድ ሃድሰን ዞባዊ ወጥሪ ከይጉህሃር ኣመሪካ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝተዛረበቶ ስትራተጂ ከምዝፈሸለ ዝሕብር እዩ ኢሉ።

ኣብ ዋና ከተማ ዮርዳኖስ ነበርትን ተንተንት እቲ ኩነታት ካብቲ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ንላዕሊ እዩ፤ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ናይቲ ግጭት ዝእትው'ዩ ዝብል እምነት ኣለዎም።

ፖለቲካዊ ተንታኒ ኣሚር ሳባይለሕ ከምዚ ይብል።"እዚ መጥቃዕቲ እዚ ሓድሽ ማእዝን ናይቲ ግጭት እዩ። ኣብ ውሽጢ ዮርዳኖስ ወይ ካብ ዶብ ዮርዳኖስ ወፃኢ ንወታሃደራት ኣመሪካ ምጥቃዕ እቲ ዕላማ ካብ ሶሪያን ዒራቕን ሕጂ ድማ ናብ ጆርዳን ይሰፍሕ ከምዘሎ ዝሕብር እዩ።"

ፕረዚደንት ባይደን ብዛዕባ'ቲ ፍጻመ ኣብ ዝሃብዎ ቃል "ኣብ ሓደ ካብቶም መደብራትና ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ተባዓት እስትንፋሳት ስኢና ኣለና። ንዝወደቑ ሰለስተ ወታሃደራትና ብፅሞና ብሕሊናና ንክንዝክሮም እሓተኩም ኣለኹ" ኢሎም።

ባይደን ብምስዓብ"ንሕና ምላሽ ክንህብ ኢና። ኣምላኽ ንኹላትኩም ይባርኽኩም" ኢሎም።