ሓድሽ ዝተመዘዙ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ቃለ መሓላ ፈጺሞም

  • ዜና ቪኦኤ
ሬክስ ቲለርሰን ሓድሽ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ብምዃን ቃለ መሓላ ፈፂሞም።እዚ ዝኾነ ሰኔት ኣሜሪካ ንሽመቶም ምስ ኣፅደቖ ድሕሪ ሰዓታት እዩ።

ነቲ ቃለ መሓለ ዘፈጸሙ ምኽትል ፕረዝደንት ማይክ ፔንስ ኾይኖም እቲ ስነ ስርዓት ኣብ ብኦቫል ኦፊስ ዝፍለጥ ቤት ጽሕፈት ፕረዝደንት ተኻይዱ። ፕረዝደንት ኣሜሪካ ደናልድ ትራምፕ እውን ኣብቲ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ተረኺቦም ኔሮም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ቃለ መሓለ ፕረዝደንት ትራምፕ ነቶም ሓድሽ ሚኒስትር ወጻኢ ዘለዎም ናእዳ ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ሓድሽ ዝተመዘዙ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ቃለ መሓላ ፈጺሞም