ብሊንከን ናይ ዩክሬን ዑደቱ የጠናቕቕ፡ ሩስያ መጥቃዕቲ ተሐይል

  • ዜና ቪኦኤ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ብኣመሪካ ንዝተወፈየ ኣጽዋርን መከላኸሊታትን ዝተዓዘብሉ ዝተወስደ

ኣብ ዋና ከተማ ኪቭ ዩክሬን፡ ኣቐዲሙ ዘይተነገረ ዑደት ዝገብር ዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ብኣመሪካ ንዝተወፈየ ኣጽዋርን መከላኸሊታትን በጺሑ። ኣብቲ ሎሚ ሓሙስ ዝዛዘም ዘሎ መገሻኡ፡ ብሊንከን ኣብ ኲናት ዩክሬንን ሩስያን መጥቃዕቲ ዝወረዶም በበይኖም ቦታታት በጺሑ’ውን ብቐረባ ተዓዚቡን ምስ ዜጋታት ተዘራሪቡን።

ዑደት ብሊንክ፡ ኣመሪካ ንዩክሬን ዝውዕል ናይ ሓደ ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ድሕሪ ምፍላጣ’ዩ። ካብቲ ግዙፍ ሓገዝ እቲ 175 ሚልዮን ኣብ ምክልኻል ኣየርን መጥቃዕቲ ቦምባታትን ዝውዕል ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ሚሳይል ትገብር ኣላ። ኣብ ማእከላይ ዩክሬን ትማሊ ረቡዕ ካብ ሩስያ ብዝተፈነወ መጥቃዕቲ 17 ሰባት ሞይቶም ሰላሳታት ድማ ከም ዝቖሰሉ ሰብ-መዚ ዩክሬን ኣመልኪቶም።

ወታሃደራውያን ኣዘዝቲ ዩክሬን ግን እቲ ብሩስያ ዝተፈነወ ድሮናት መብዛሕትኡ ከም ዝመኸነ’ዮም ዝነግሩ። ሩስያ ናብ ሳምይን ኦዴሳን ካብ ዝፈነወቶ 33 ቦምባታት ድሮን እቲ 25 ምፍሻሉ ዩክሬን ኣመልኪታ'ላ።