ኒኪ ሃይሊ ወፍሪ ምርጫ ደው ተብል፡ ባይደንን ትራምፕን ናብ ወፍሪ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ይሰጋገሩ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ኒኪ ሃይሊ ወፍሪ ምርጫ ደው ተብል፡ ባይደንን ትራምፕን ናብ ወፍሪ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ይሰጋገሩ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይንደንን ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕን ናብቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዳግማይ ክወዳደሩ'ዮም።

ኣብ ወፍሪ ምርጫ ንሕጹይ ሪፖብሊካን ፓርቲ ንፕረዚደንት ትራምፕ ክወዳደራ ዝጸንሓ ኒኪ ሀይሊ ሎሚ ረቡዕ ወፍሪ ምርጫ ደው ከምዘብላ ኣፍሊጠን ኣለዋ።

15 ክፍለ-ግዝኣታትን ሓንቲ ምምሕዳርን ኣመሪካን ትማሊ ሰሉስ ኣብቲ ብሱፐር ቱስዴይ ዝፍለጥ ተወካሊ ሰልፊ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንምምራጽ ምርጫ አካይደን ኣለዋ።