3ይን ዛዛሚን ፕረዚደንታዊ ክትዕ ኣሜሪካ

ዶናልድ ትራምፕን ሂለርይ ክልንትንን

ሳልሳይን መወዳእታን ፕረዚደንታዊን ክትዕ ኣሜሪካ ሎሚ ረቡዕ ምሸት ኣብ ላስ ቬጋስ ተካይዱ።

ሕጹያት ሂለርይ ክልንትንን ዶናልድ ትራምፕን ነዚ ክትዖም ዘካየዱ ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ዩኒቨርስቲ ኔቫዳ፣ ኣብ ልዕሊ 6 ኣርእስታት ዘተኮረ እዩ ነይሩ።

እቶም ኣርእስታት፣ ሃገራዊ ዕዳ፣ ጉዳይ ኢምግረሽን፣ ብቅዓት ፕረዚደንት፣ ቁጠባ፣ ምስያም ዳያኑ ቤት ፍርዲን ፖሊሲ ወጻኢን'ዮም።

ልዕሊ ኩሉ ትኹረት ዝረኸበ ግና ሚስተር ትራምፕ ንውጽኢት እቲ ምርጫ ክትቅበል ዲኻ ዝቀረበ ሕቶ 'ሽዑ ንሪኦ' ዝብል መልሲ ምሃቦም'ዩ።

ዶናልድ ትምፕ ኣብ እዋን ወፍሪ ምረጹኒ ኣብ ምርጫ እንተተሳዒረ እቲ ምርጫ ስለዝተሰርቀ እዩ ምባሎም ዝዝከር'ዩ። ብዛዕብኡ ሪኢቶ ዝሃባ ሂለርይ ክልንትን 'ኣባሃህላ ዶናልድ ትራምፕ ኣዝዩ ሓደገኛ'ዩ' ኢለነኦ ኣለዋ።

ሙሉእን ሰፊሕን ሪፖርት ኣብ ናይ ጽባሕ ስሩዕ መደብና ክቀርብ'ዩ።