ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ፅባሕ ክካየድ‘ዩ

ኣሜሪካ ንዝመፅእ ኣርባዕተ ዓመታት መን ይምራሓያ? ንዝብል ሕቶ ዝምልስ ወፍሪ ምርጫ ክልተ ሕፁያት ሎሚ ሶኒ ክዛዘም‘ዩ።

ኣብ‘ዛ ሃገር ሓምሳ ክፍላተ-ሃገራት፣መብዛሕተአን ናብ መን ከምዘዛዝዋ ዝፍለጥ‘ኳ እንተኾነ ኦሃዮ፣ፍሎሪዳ፣ዉስኮንስን፣ቨርጅንያ፣ኮሎራዶን ኣይዋን ግና ኣይፈለየለንን ዘሎ።

ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ሎሚ ሰኑይ ናብ ዊስኮንስን፣ኣይዋን ኦሃዮን ወፍሪ ምርጫ ክገብሩ ናብ ቺካጎ - ኢልኖይ ክምለሱ ከለው፣መናሕንሕቶም ሚት ራምንይ ድማ ኣብ ፍሎሪዳ፣ቨርጅንያ፣ኦሃዮን ኒውሃምፕሽየርን ክወፍሩ‘ዮም። ኣብ መወዳእትኡ ማሳቹሰትስ ኣብ ዝርከብ መንበሪኦም ኮይኖም ንውፅኢት ምርጫ ክከታተሉ‘ዮም።