ፒስ ኮር ኣብ ኢትዮዽያ ሓምሳ ዓመት ኣቁፂሩ

  • በትረ ስልጣን

Greg Engle

ኣባላት’ቲ ጉጅለ ህዝባዊ ኣገልግሎት ይህቡ‘ለው

ፒስ ኮር ኣብ ኢትዮዽያ፣መበል ሓምሳ ዓመቱ ከኽብር ኣብ ዝቀራረበሉ እዋን፣ተወሰኽቲ 67 ኣባላት ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮዽያ ንከገልግሉ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቃለ-መሓላ ፈፂሞም‘ለው።

ካብ ስሳታን ክሳብ ሰብዓታት ቀዳማይ ጉጅለ፣ካብ ምጅማር ቴስዓታት ክሳብ መዛዘሚ ቴስዓታት ካልኣይ ጉጅለ፣እቲ ሳልሳይ ድማ ካብ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ዘሎ ጊዜ ብሰለስተ እግሪ ናብ ኢትዮዽያ ዝኣተው ኣባላት ህዝባዊ ኣገልግሎት ይልግሱ ኣለው ኣብ ኢትዮዽያ።

ብሓፈሽኡ ልዕሊ 3,100 ኣባላት ፒስ ኮር ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ ሓምሳ ዓመታት ከምዘገልገሉ ዝገልፁ ሚስተር ግሬግ ኣንግል፣ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ 181 ኣባላት ፒስ ኮር ኣብ ኢትዮዽያ ክልላት ትግራይ፣ኣምሓራ፣ኦሮምያን ህዝብታት ደቡብን ይሰርሑ‘ለው ኢሎም።ኣብ ዘፈራት ጥዕና ብፍላይ HIV/AIDS፣ ዕቀባን ክንክንን ሃብቲ ተፈጥሮን ትምህርትን ዝነጣጠፉሉ ስራሕቲ‘ዮም።

ኣባላት ፒስ ኮር ናብ ሓደ ከባቢ ክምደቡ ምስ‘ቲ ህዝቢ ንክተሓዋወሱን ንክተኣማመኑን ጊዜ ከምዘድሊ፣ብክልቲኦም ወገናት፣በቲ ተቀባሊ ኣባላትና ዝኾነ ህዝቢ ኢትዮዽያን ኣባላትና ኣባላት ፒስ ኮርን ሓያል ዓቅሊን ምርድዳእን ዝሓትት‘ዩ ኢሎምና።ዳይረክተር ኣሜሪካውያን ፕሮግራም ኣሜኢካውያን ፒስ ኮር ኢትዮዽያ ግሬግ አንግል ጋሻና ስለዝኾኑ ክብረት ይሃበልና።