ኣሜሪካ: ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጥምረት ኣብ ጉዳይ ስደት ከምዘይትሳተፍ ኣፍሊጣ

ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ረክስ ቲለርሰን

ኣሜሪካ ኣብቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጥምረት ኣብ ጉዳይ ዓለምለኸ ስደት ከምዘይትሳተፍ ኣፍሊጣ።

ዝሓለፈ ዓመት ኩላተን አባል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ 193 ሃገራት ብሓደ ድምጺ ሓደ ዘይቐያዲ ፖለቲካዊ ኣዋጅ ዓዊጀን ኔረን። እዚ ብናይ ኒውዮርክ ኣዋጅ ንስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ዝፍለጥ ኣዋጅ ሃገራት መሰል ስደተኛታት ክሕልዋ፡ ኣብ ምጥያስ ስደተኛታት ክሕግዛ፡ ናይ ትምህርቲ ኣገልግሎትን ናይ ስራሕ ዕድል ምርኻቦም ምርግጋጽ ዝብል ዝሓዘ እዩ ኔሩ።

እንተኾነ ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ረክስ ቲለርሰን እዚ መደብ ምስ ናይ ኣሜሪካ ናይ ኢሚግሬሽን ፖሊስ ዝቓዶ ኣይኮነን ክብሉ ኣሜሪካ ኣብቲ ስምምዕ ከምዘይትሳተፍ ሓቢሮም።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣሜሪካ ካብቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጥምረት ኣብ ጉዳይ ስደት ከምዘይትሳተፍ ኣፍሊጣ

ኣሜሪካ ነዚ ዘፍለጠት እቲ ኣብ ሜክሲኮ ከተማ ፓት ቫለርታ ዝጋባእ ዓለምለኸ ኮንፈረንስ ኣብ ጉዳይ ስደት ቅድሚ ምጅማሩ ሰዓታት እዩ።

ዕላማ እቲ ኮንፈረስን ነቶም ብዝተፈላለዩ ምክንያት ተገዲዶም ካብ መነባብሮኦም ዝተመዛበሉ ልዕሊ 60 ሚልዮን ሰባት ንምጥያስ ሰብኣዊ ዝኾነ ስትራቴጂ ንምሕንጻጽ ዝዓለመ ምኳኑ ተፈሊጡ’ሎ።