ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኡጋንዳ ንዘውጽኣቶ ሓድሽ ሕጊ ጸረ ዝምድና ተመሳሳሊ ጾታ ብምዂናን እዚ ሕጊ ኣብቲ ምስ ኡጋንዳ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ጽምዶ ዝህልዎ ጽልዋ ኣመሪካ ክትግምግሞ'ያ ኢሎም።
"እዚ ዘሕፍር ስጉምቲ ኣብ ኡጋንዳ ንዘሎ ምግሃሳት ሰብኣዊ መሰላትን ብልሽውናን ዘርኢ ዳሕረዋይ ምዕባለ እዩ" ክብሉ ባይደን ኣብ መግለጾኦም ኣፍሊጦም'ለዉ።
ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቪኒ ነዚ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዝተረሩ ሕግታት ጸረ ዝምድና ተመሳሳሊ ጾታ ምኻኑ ዝተነግረሉ ሕጊ ፈሪሞም'ለዉ። እዚ ሕጊ ርክብ ተመሳሳሊ ጾታ ዘጋድድ ብዝብል መቅጻዕቲ ሞት ከም ዝሕውስ ተገሊጹ'ሎ።
እዚ ስጉምቲ ከምቲ ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት ይገብር ተመሳሳሊ ሕጊ ምስ ኣውጸአት ዘጋጠማ ካብ ምዕራባውያን ካብ ለገስቲ ኣካላት ማዕቀባትን ምቁራጽ
ረድኤት ከስዕብ ይኽእል እዩ።
ኡጋንዳ ሓዊሱ ኣብ 30 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝምድና ተመሳሳሊ ጾታ ዘይሕጋዊ እዩ።