ኣመሪካ ነተጉቲ ንዩክሬን ንምሃብ ዘቕረበቶ ዕድመ ካብ ተሓለቕቲ  ተቓውሞ ገጢሙዎ

ካብ ዙሪያ ዓለም ዝተኣኻኸቡ ግዳያት ነቶግቲ ኣብቲ ዋዕላ ዝካየደሉ ቦታ ብምርካብ ኣመሪካ ንዩክሬን ነቶግቲ ንምቕራብ ምውሳና ብምቅዋም  ድምፆም ኣስሚዖም

ኣመሪካ ዩክሬን ኣንፃር ወራር ሩሲያ ኣብ ተካይዶ ቃልሲ ፀረ ሰብ ነተጉቲ ንምሃብ ምውሳና ብደረጃ ዓለም ፀረ-ነታጕ ዝተበፅሐ ስምምዕ ናብ ቅልውላው ዘእትው እዩ ክብሉ ተሓለቕቲ ሎሚ ዓርቢ ተቓውሞኦም ብምግላጽ ኪየቭ ነቲ ዝቐረበላ ሕቶ ክተፍሽሎ ተማሕፂኖም።

ዩክሬን ሓንቲ ካብተን ነቲ ፀረ-ሰብ ነተጕቲ ምጥቃም፣ ምእካብ፣ ምፍራይ ከምኡ'ውን ምትሕልላፍ ዝኽልክል ስምምዕ ዝፈረማ 164 ሃገራት እያ።

ፈራሚት ናይቲ ስምምዕ ዘይኮነት ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፀረ-ሰብ ነተጉቲ ንዩክሬን ከም እትህብ ምግላፃ ካብ ጉጅለታት ተሓለቐቲ መሰላት ነቐፌታ ኣልዒሉ'ሎ።

ኣመሪካ ዘቕረበቶ ዕድመ እቲ ስምምዕ ናብ ቅልውላው ኣእትዩዎ ኣሎ ክትብል ዳይረክተር ዓለምለኸ ወፍሪ እገዳ ነቶግቲ ታማር ጋበልኒክ ኣብ ካምቦዲያ ይካየድ ኣብ ዘሎ ዋዕላ ገሊፃ።

ንሳ ወሲኻ "ዩክሬን ብኣመሪካ ንዝቐረበ ዕድመ ብትሪ ከም እትነፅጎ ተስፋ ንገብር ኢና’’ ኢላ።

ኣብቲ ኣኼባ ልኡኽ ዩክሬይን ሰይም ሪፕ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ብጋዜጠኛታት ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ንዝቐረበሉ ተደጋጋሚ ሕቶ ነፂጉዎ ኣሎ።

ሰሉስ ካብ ዙሪያ ዓለም ዝተኣኻኸቡ ግዳያት ነቶግቲ ኣብቲ ዋዕላ ዝካየደሉ ቦታ ብምርካብ ኣመሪካ ንዩክሬን ነቶግቲ ንምቕራብ ምውሳና ብምቅዋም ድምፆም ኣስሚዖም።