እስራኤልን ሕዝቦላህን ምቍራጽ ተጻብኦታት ይግበሩ፡ ቓዛ ግን ገና…

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

እስራኤልን ሕዝቦላህን ምቍራጽ ተጻብኦታት ይግበሩ፡ ቓዛ ግን ገና…

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ነቲ ሎሚ ተግባራዊ ዝዀነ ምቍራጽ ተጻብኦታት እስራኤልን ሕዝቦላህን ንኢዱ። እቲ ተባሂሉ ዘሎ ምቍራጽ ተጻብኦታት ነቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ናጻ ከውጽእ እንተዀይኑ ግን ዛጊት ምልክት የሎን። ምስ ሓማስ ዝግበር ዘሎ ኲናት’ውን ገና ኣይዕረፈን ።

እስራኤል ንከተማ በይሩት ሊባኖስ ድሕሪ ምድብዳባን ሕዝቦላህ’ውን ናብ እስራኤል ተወንጫፍ ሚሳይላት ድሕሪ ምትኳሱን፡ ትማሊ ሰሉስ ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝተናእደ ምቍራጽ ተጻብኦታት ተኣዊጁ ኣሎ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ድሕሪ ምዝርራቡ ኣብ ዝሃቦ ቃል“ጽባሕ ካብ ሰዓት 4፡00 ወጋሕታ ኣትሒዙ ኣብ ዶባት እስራኤል-ሊባኖስ ዘሎ ኲናት ደው ክብል’ዩ። እዚ ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦ ክኸውን ተስፋ ይግበሮ" ኢሉ።

እስራኤል ነቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዝወሰደ ምስ ሕዝቦላህ ከተካይዶ ዝጸንሐት ኲናት ንምቍራጽ ተሰማሚዓ ኣላ።

ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁ ብወገኑ “ምስ ምሉእ ምትሕብባርን ምርድዳእን ናይ ኣመሪካ፡ ነቲ ምቍራጽ ተጻብኦ ክንገብሮ ተሰማሚዕና ኣሎና። ሕዝቦላህ ነቲ ምቍራጽ ተጻብኦ ጥሒሱ ደጊሙ ከዕጥቕ እንተ ጀሚሩ ግን ከነጥቅዕ ኢና። ኣብ ከባቢ ዶባት ካልኦት ግብረ-ሽበራውያን ክምልምል እንተ ጀሚሩ’ውን ከንጥቅዕ ኢና”ኢሉ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣተኵሮኦም ናብ ሓማስ ክቐንዕ ምዃኑ’ዩ ጠቒሱ።

እንተዀነ ምስ ሕዝቦላህ ዝግበር ዘሎ ምቍራጽ ተጻብኦ ኣብ ቓዛ ሰላም ከስፍን ወይ ድማ ነቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያን ከፍትሖም ዝኽእል እንተዀይኑ ግን ኣይነጸረን።

እንተዀነ እቲ ዝቕጽል ምዕራፍ ናብኡ ምዃኑ’ዩ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ይጠቅስ። ኣብ ዝቕጽላ መዓልታት ምስ ቱርኪየ፡ ግብጺ፡ ቀጠርን እስራኤልን ብምዝታይ ኣብ ቓዛ ምቍራጽ ተጻብኦታት ንምፍጻም ተስፋ ከም ዘለዎ ድማ ገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ኢድ ዘለዎም ግን ብዙሓት’ዮም።

ብሰሉስ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራጋቺ ንሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ እስራኤል ገበናት ኲናት ትፍጽም ኣላ ብምባል፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ብኣህጉራዊ መጋብኣያ ገበን ንማእሰርቲ ቤንያሚን ናታንያሁ ዝሓወሰ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ንኢዱ።

እቲ ኢራናዊ ሚኒስተር ጉድያት ወጻኢ “ኣብ ቅድሚ ኣህጉራዊ ስምምዓት ንፍልስጤማውያን መሰሎም ከነውሕሰሎም ሓላፍነት ኣሎና። ወነንቲ መሬቶምን ገዛእ ምምሕዳሮምን ኰይኖም፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ተተግቢሩ ዘሎ ኣፓርታይድ ክንኣልዮ ሓላፍነትና’ዩ፡”ኢሉ።

ብመሰረት ወጺኡ ዘሎ ውጥን፡ ሰራዊት እስራኤል ናብ ደቡባዊ ዶባት ሊባኖስ-እስራኤል ክስሕቡ ክግደዱ’ዮም። ሕዝቦላህ ከኣ ብተመሳሳሊ ንላዕሊ ናብ ሰሜን ፈለግ ሊታኒ ክዕስክሩ’ዮም።

እቲ መደብ፡ ኣብቲ ኲናት ኢድ ዘይብሉ ሰራዊት ሊባኖስ ነቲ ከባቢ ክቆጻጸሮ’ዩ። ሰራዊት ኣመሪካን ፈረንሳን ንትግባረ እቲ ምቍራጽ ተጻብኦ ከውሕሱ ምዃኖም ጸብጻብ ድምጺ ኣመሪካ ይሕብር።

እስራኤል ናይ ኣጽዋር ጸብለልታ ደኣ ይሃሉዋ እምበር፡ ምስ ምግፋሕ እቲ ግጭት ግን ዓቕምታት እናጎደለ ምምጻኡ ኣይተርፍን። እዚ ምቍራጽ ተጻብኦ እምበኣር ብዅሉ መዳያቱ ንእስራኤል’ውን መጠናዊ ሩፍታ ዝፈጥር ምዃኑ ተንተንቲ ይዛረቡ።

ኣብቲ ብመሰረት ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ልዕሊ 44-ሽሕ ፍልስጤማውያን ተቐቲሎምሉ ዘለዉ ዞባ ቓዛ፡ እስራኤል እንኮላይ ንላዕለዎት መራሕቲ ሓማስ እኳ እንተቀንጸለት፡ እቲ ግጭት ግን ቀጻሊ’ዩ ዘሎ። ክሳብ ሕጂ ድማ ሕዝቦላህ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ እትገብሮ መጥቃዕቲ ምስ ኣቋረጸት ጥራይ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝግበሮ መጥቃዕቲ ከቋርጽ ምዃኑ’ዩ ክሕብር ጸኒሑ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ዛጊት ኣብ ወገን ሕዝቦላህ ኣብዚ ጉዳይ ንጹር መልሲ የሎን።