ዋሽንግተን —
ፕረ.ትራምፕ ኣሜሪካ ካብ ናይ 2015 ዓ.ም ስምምዕ ኑክልያር ኢራን ብዛዕባ ምውጻእ ምውሳኖም ሎሚ ረቡዕ አፍሊጦም። እንተኾነ ብዛዕባ ዝርዝር ጉዳይ ውሳኔኦም ኣይገለጹን።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት መደረ ዘስምዑ ፕረዝደንት ኢራን ሃሰን ሮሃኒ ኢራን ካብ ዝኾነ ወገን ብዝመጽእ መፈራርሒ ከምዘይትሰግእ ብምግላጽ ብክስትታት ፕረዝደንት ትራምፕ ከምዘይተገረሙ ገሊጾም አለው። ንሶም ብተወሳኺ ንውሳነ ፕረዝደንት ትራም “ዘጽልእ፡ ዘይስነምግባራዊ ቃላት” ክብሉ ገሊጾሞ አለው።
ፕረዝደንት ሮሃኒ ብተወሳኪ ንስምምዕ ኑክልያር ኢራን ብምፍራስ ንሓደሽቲ “ካብ ሕጊ ወጻኢ” ዝኮነ ሃገራት ናብ ፖለቲካ ዓለም ብምምጻእ ንምዕባለን ዕብየት ኢራን ዝዕንቕፍ ኣይኮነን ኢሎም።
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣቐዲሞም ኣብ መጀመርያ እዚ ሰሙን’ዚ ንሃገሮም ካብቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማን ሓሙሽተ ሓያላት ሃገራት ዓለም ቻይና፡ሩስያ፡ ብሪጣንያ፡ፈረንሳን ጀርመንን ዝተኻየደ ስምምዕ “ ንኣሜሪካ ዘህንኽ እዩ’ ክብሉ ሃገሮም ካብቲ ስምምዕ ክትወጽእ ከምትኽእል ምሕባሮም ይፍለጥ።