ፕረ. ባይደን ዝወሃብ ሓገዝ ንግዳያት ህቦብላ ንምዕዛብ ዑደቶም ሰሪዞም

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ነቲ ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ፍሎሪዳ ዝወሃብ ሓገዝ ሓደጋ ህቦብላ ዝናብ ንምክትታል ነቲ ናብ ጀርመንን ኣፍሪቃን መዲብዎ ዝነበረ ዑደት ሰሪዝዎ። ክፍለ-ግዝኣት ፍሎሪዳ ኣብዚ ሰዓት`ዚ በቲ ዝለዓለ ደረጃ ክብደት ሒዙ ዘሎ ሀሪከይን-ሚልተን ትጽፋዕ ኣላ። ነበርቲ ፍሎሪዳ ንሀሪከይን ሚልተን ብሽቑረራ ይጽበዩ ኣለዉ- እዚ ድሕሪ`ቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዘጋጠሞም ሀሪከይን ሀሊን`ዩ።