ፕረ.ትራምፕ ምምሕዳሮም ምስ ሓማስ ልዝብ ምክያዱ ብምርግጋጽ ጅሆ ተታሒዞም ዘለው ክወጹ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ሂቦም

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ፕረ.ትራምፕ ምምሕዳሮም ምስ ሓማስ ልዝብ ምክያዱ ብምርግጋጽ ጅሆ ተታሒዞም ዘለው ክወጹ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ሂቦም

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሓማስ ዝተረፉ እስራኤላዊያን ጅሆ ብዘይ ውዓል ሕደር ክፍትሑ መጠንቅቕትኦም ደጊሞም። ኣመሪካ ኣሸባሪ ኢላ ዝመደበቶ ጉጅለ ግን ከምኡ ክገብር ዝኽእል ዘላቒ ስምምዕ እንተተገይሩ ጥራሕ እዩ ክብል ብምግላፅ ኣመሪካን እስራኤልን ካብቲ ልዝብ ክወፁ ይፍትኑ ኣለው ክብል ከሲሱ።

ፍልስጤማዊያን ኣብ ውሽጢ ተኣፋፊ ናይ ቓዛ ቶኽሲ ጠጠው ምባል ስምምዕ ኮይኖም ህይወቶም ዳግም ንምህናፅ ይቃለሱ ኣብ ዘለውሉ ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ኣመሪካ ኣሸባሪ ጉጅለ ኢላ ዝመደበቶ ሓማስ ኩሎም እስራኤላዊያን ጁሆ ክፈትሕ ወይ ከቢድ ሳዕቤን ከምዝገጥሞ የጠንቅቑ።