ፕረ.ትራምፕ ምምሕዳሮም ምስ ሓማስ ልዝብ ምክያዱ ብምርግጋጽ ጅሆ ተታሒዞም ዘለው ክወጹ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ሂቦም
Your browser doesn’t support HTML5
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሓማስ ዝተረፉ እስራኤላዊያን ጅሆ ብዘይ ውዓል ሕደር ክፍትሑ መጠንቅቕትኦም ደጊሞም። ኣመሪካ ኣሸባሪ ኢላ ዝመደበቶ ጉጅለ ግን ከምኡ ክገብር ዝኽእል ዘላቒ ስምምዕ እንተተገይሩ ጥራሕ እዩ ክብል ብምግላፅ ኣመሪካን እስራኤልን ካብቲ ልዝብ ክወፁ ይፍትኑ ኣለው ክብል ከሲሱ።