ፕረ. ትራምፕን ማስክን ንዝስዕብ ስጉምቲ መንግስታዊ ምንካያትን ኣመልኪቱ ንዝለዓሉ ተቓውሞታት ተኸላኺሎም 

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ፕረዚደንት ትራምፕ ፈላማይ ኣኼባ ካቢኔ ሚንስተራት ብረቡዕ ኣብ ዘሳለጥሉ እዋን ብኽነት ንምንካይ መጠን ሰራሕተኛ ሓይሊ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈታት ኣመሪካ ብዝብል ምምሕዳሮም ንዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ መጕቶም። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብኣባላት ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት ምምሕዳሮም ተማእኪሎም፡ ነቲ ምምሕዳሮም ዝገብሮ ዘሎ ዓበይቲ ምጉዳል ወፃእታት መንግስቲ ካብ መረፅቲ ፍቃድ ከምዝተዋህቦም ብምግላፅ ንስጉምቶም መጕቶም።