Your browser doesn’t support HTML5
ገምጋም ምትሕግጋዝ ኤርትራን ኢትዮዽያን ኣብ ውግእ ፀረ ግብረ ሸበራ ምስ ኣሜሪካ ዝንፅር ፀብፃብ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ወግዓዊ ኮይኑ‘ሎ።
ኤርትራ ኣብ`ዚ ዝሓለፈ ዓመተ 2013፡ ዝኾነ ዓቢ ዝብሃል ኣህጉራዊ ሽበራ ኣየጋጠማን ይብል እቲ ሪፖርት ኣብ መእተዊኡ። ኣንጻር ግብረ-ሽበራ ብሽርክነት ክትሰርሕ ከምትደሊ ምግላጻ`ውን ይጠቅስ።
ሰበ-ስልጣን ኣስመራን፣ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕ/ሃን ወከልቲ ኤርትራን፣ ካብ‘ቲ ዝርከብሉ ነዊሕ ዝፀንሐ ዞባዊ ተነፅሎን ፅልእን ክወፁ ድልየቶም ምኳኑ ንሰበ-ስልጣን ኣሜሪካን ኣፍሊጦም ኣለው።
ኤርትራ ንዞባዊ ህድኣት ተገዳስነት ዘይምርኣያ፣ንዕድላት ወፍሪ ፀረ ግብረ-ሸበራን ንልዝባትን ኣፀጋሚ ገይርዎ‘ዩ።
እቲ ሪፖርት ብዛዕባ ኩነታት ኢትዮዽያ ክፅብፅብ ከሎ፣መንግስቲ ኢትዮዽያ ህውከት ሶማልያ ቀንዲ ፀጥታዊ ሻቅሎት ኢሉ ይገልፆ፣ፅንፈኛታት ካብ ሶማልያ ሰሊኾም ንከይኣትው ኢሉ ድማ ኣብ ዶብ ምስ ሶማልያ ሰራዊት ኣስፊሩ‘ሎ።
መንግስቲ ኢትዮዽያ በቶም ጉጅለታት ፈጠርቲ ራዕዲ ኢሉ ዝፅወዖም ግንባር ሓርነት ኦጋዴን፣ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ሸውዓተ ግንቦትን ሻቅሎት ኣለዎ።
ኢትዮዽያ ምስ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበሉ ዞባዊ ፀጥታዊ ጉዳያት ሓቢራ ትሰርሕ ሃገር‘ያ ይብል እቲ ሪፖርት።ድሕሪ ዜና ክንውስኸሉ ኢና።