ጾታን ምርጫ ኣመሪካን

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ጾታን ምርጫ ኣመሪካን

ኣብ መንጎ ካማላ ሃሪስን ዶናልድ ትራምፕን ይካየድ ዘሎ ፕረዚደንታዊ ውድድር ተቐራራቢ ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ። እንተኾነ ግን ሃሪስ ኣብተን ካብ ደቂ ተባዕቲዮ ንላዕሊ ብዝለዓለ መጠን ዝመርፃ ደቂ ኣንስትዮ ብዘይንዓቕ መጠን ንትራምፕ ይመርሖም ኣለዋ።

ካብ 1984 ኣትሒዙ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ደቂ ኣንስትዮ ልዕሊ ደቂ ተባዕቲዮ ድምፂ ክህባ ፀኒሐን እየን። መብዛሕቲአን ድማ ካብ ንሪፓብሊካዊያን ንዲሞክራሲያዊን ይመርፃ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ሓምለ ካብ ውድድር ንገዛእ ርእሶም ድሕሪ ምግላሎም ምኽትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ናብቲ ውድድር ምእታወን ነዚ ናይ መራፂ ደንበ ዘለዓዐለ እዩ ዝመስል።