ከም ብዙሓት ካብ ቻይና ንትምህርቲ ናብ ኣመሪካ ዝመጽኡ፡ ሻን ዣን’ውን ብዙሕ ዘገርሞ ነገራት ይረክብ’ዩ። ገለ ካብኡ ኣብ ቻይና ርእዩዎን ሰሚዑዎን ዘይፈልጥ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝቕረብ መግቢ ቻይና’ዩ። ካልእ’ውን “ፎርቹን ኩኪ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ኣብያተ-መግቢ ቻይና ኣብ ኣመሪካ ዝውቱር ዝዀነ ልምዲ’ዩ። እዚ ኣገባብ ተመገብቲ፡ ካብቲ ዝዕደሎም ብሽኮቲ መጻኢ ዕድሎም ዝትንበ ጽሑፍ ዘንብቡሉ’ዩ።
ሻን ካብ መንጎ’ቶም ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ በበይኑ ዩኒቨርስታት ዝመሃሩ ዘለዉ ኣስታት 300-ሽሕ ቻይናውያን’ዩ። እቲ ቍጽሪ ግን ሕጂ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት፡ ቀንዲ ካብኦም ጉዳይ ድሕነትን ጸጥታን ተኣሳሲሩ ይጎድል ከም ዘሎ “ትምህርቲ ብዘይዶብ” ዝብል ትካል ዝመስረተ ሳዋሎው ያን ይሕብር። ያን ፈለማ ባዕሉ ንትምህርቲ ናብ ኣመሪካ ዝመጽአ ኰይኑ፡ ሕጂ ድማ ተመሃሮ ናብ ኣመሪካ ንምምጻእ ይሰርሕ ኣሎ።
“ወለዲ ተመሃሮ፡ ብዛዕባ ኣብ ኣመሪካ ዝንገር ዜናታት ወትሩ ምስ ተሻቐሉ’ዮም። ፈለማ ዝጥቀስ ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርስታት ዝግበር ጃምላዊ ተዅሲ’ዩ። ድሕሪኡ ድማ ኣብ ጎደናታትን መንበሪ ገዛውትን ዝግበር ስርቂን ዘረፋን’ዩ።”
እዚ ብወገን ናብ ኣመሪካ ክመጽኡ ዝደልዩ ቻይናውያን ክኸውን እንከሎ፡ ብኻልእ ወገን’ውን ተመሳሳሊ ብድሆ ኣሎ። ናብ ኣመሪካ መጺኦም ክመሃሩ ብዛዕባ ዝደልዩ ተመሃሮ ናብ ኣመሪካ ምስ መጽኡ ብዛዕባ ዝህሉ ስርቂ ምህዞ ወትሩ ምስ ኣሻቐለ’ዩ። ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ’ውን ገለ ዩኒቨርስታት ቻይና ተመሃሮ ከይልእካ ተኸልኪለን ነይረን። ብሕልፊ እተን ምስ ሚኒስትሪ ምክልኻል ቻይና ምትእስሳር ኣለወን ዝብሃላ ዩኒቨርስታት ቴክኖሎጂ፡ ተመሃሮአን ናብ ኣመሪካ ንኸይመጹ ክልኩላት’የን።
ብሕልፊ ነቶም ካብ ዝለዓለ ናይ ቴክኖሎጂ ዝመጽኡ ተመሃሮ ተደጋጋሚ ቪዛ ተመሃሮ ከም ዝኽልከሉ ያን ይሕብር። መንግስቲ ኣመሪካ ነቶም ፈለማ ንማስተርስ ድሒሮም ድማ ዶክተረይት ዝመጽኡ ተመሃሮ ቻይና፡ ኣብ ኣመሪካ ብምጽናሕ ነቲ ቴክኖሎጂ ክሰርቁ’ዮም ዝብል ስክፍታ ምህላዉ እቲ መስራቲ ትምህርቲ ብዘይዶብ ዝዀነ ያን ይዛረብ።
ናይ ቪዛ ጸገም ዘጓንፎም ግን ኵላቶም ኣይኰኑን። ሻን ዣን ሓደ ካብቶም ሽግር ቪዛ ዘየጋጠሞም’ዩ።
“ከም ኳንቶም ፊይዝክስ ካልእ ኣዝዩ ተነቃፊ ዝብሃል ዓይነት ትምህርቲን ንምምሃር ትመጽእ እንተዄንካ ጸገም ኣሎ። ንዓይ ግን ዝዀነ ጸገም ኣይገጠመንን፡ ምኽንያቱ ስነ-ቍጠባ ንምምሃር’የ መጺአ።”
ኣብቶም ካብ ቻይና ንትምህርቲ ዝመጽኡ ተመሃሮ ካልእ ጸገም’ውን ኣለዎም። ሓያሎ ማሕበራት ተመሃሮ ቻይናውያን ኣብ ኣመሪካ ኣሎ። ብዙሓት ካብቶም ማሕበራት ተመሃሮ ምስ መንግስቲ ቻይና ርክብ ከም ዘለዎም ይእመን። ስለዚ እቶም ተመሃሮ ብናጻ ክዛረቡን ሓሳባቶም ክገልጹን ኣይክእሉን።
ፐሪ ሊንክ መምህር ስነ-ጽሑፍ ኣብ ዩኒቨርስቲ’ዩ። ኣብ መንጎ ቻይናውያን ተመሃሮ ዝርአ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ስክፍታ ኣስተውዒሉ ኣሎ፤ “ተመሃሮ ገና ኣብ ትሕቲ ከቢድ ቍጽጽር መንግስቲ ቻይና ከም ዘለዉ ገይሮም’ዮም ዝንቀስቐሱ። ተነቃፊ ኣርእስቲ ክመጽእ እንከሎ፡ እቶም ካብ ቻይና ዝመጽኡ ተመሃሮ ስቕ ክብሉ ይመርጹ። ምኽንያቱ ፍርሒ ኣለዎም።”
ፕሮፈሰር ሊንክ ከም ዝግለጾ፡ እቶም ኣብቲ ክፍሊ ዘለዉ ከምኣቶም ተመሃሮ ሰለይቲ መንግስቲ ከይኰኑ ስግኣት ስለ ዘለዎም’ዮም ትም ምባል ዝመርጹ ይብል። ግድን ኵላቶም ተመሃሮ ምስ መንግስቲ ምትእስሳር ኣለዎም ማለት ዘይኰነስ፡ ገለ ካብኣቶም ከይህልዉ’ዩ እቲ ስክፍታ።
እዚ እናዀነ ግን ሕጂ’ውን ኣብ ኣመሪካ ካብ ዝመሃሩ ናይ ካልኦት ሃገራት፡ እቶም ዝበዝሑ ቻይናውያን’ዮም።
እቶም ናብ ኣመሪካ መጺኦም ክመሃሩ ዝበቕዑ’ውን ነቶም ኣብ ዓዶም ዝርከቡ ተመሃሮ ናብ ኣመሪካ መጺኦም ክመሃሩ ይጽውዑ። ያን ሓደ ካብኣቶም’ዩ፤ “ሕጂ’ውን ዝበለጸ ትምህርቲን ዳሕራይ ድማ ዝበለጸ ሞያን ክትሕዙ ምስ እትደልዩ፡ ናብ ኣመሪካ መጺእኩም ተመሃሩ። ዩኒቨርስታት ኣመሪካ ሕጂ’ውን እተን ዝበለጻ’የን።”
ሻን ዣን ሕጂ’ውን ኣመሪካ ጸኒሑ ትምህርቱ ናይ ምቕጻል መደብ ኣለዎ።