ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካብ ቻይና ዝኣቱ ንብረት ናይ 10% ወሰኽ ግብሪ ድሕሪ ምንባሩ፡ ቻይና’ውን ኣብ ዝተወሰኑ እትዎት ንብረት ኣመሪካ ወሰኽ ኣዊጃ ኣላ። እንተዀነ ብቻይና ዝተነብረ ወሰኽ ኣብ ቍጠባ እታ ሃገር ክፈጥሮ ዝኽእል ምምዝባዕ ንኡስ ምዃኑ ትንታነ ኣሶሸይትድ ፕረስ ይሕብር።
ንምስግጋር ዘይሕጋዊ ፈንታኔል ንምግታእ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ሃገራት ወሰኽ ግብሪ ዝኣወጀ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ሰኑይ ኣማስያኡ ምስ መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት መክሲኮን ካናዳን ድሕሪ ምዝርራቡ፡ እቲ ሎሚ ሰሉስ ተግባራዊ ክኸውን ተመዲቡ ዝነበረ ናይ 25% ወሰኽ ግብሪ ንሓደ ወርሒ ኣናዊሖም ኣለዉ።
ኣብታ መመንጨዊት ፋንታኔል ዝዀነት ቻይና ግን እቲ ናይ 10% ወሰኽ ኣብ ቦታኡ’ዩ ዘሎ። ኣብ ቀረባ እዋን መደብ ሒዞም ዘለዉ መራሕቲ ክልተኣን ሃገራት እንተዘይፈቲሖሞ ድማ እቲ ንግዳዊ ኲናት ክቕጽል’ዩ።
ምምሕዳር ትራምፕን ቻይናን ኣብ ኲናት ንግዲ ክኣትዉ ሎሚ ንፈለማ እዋን ኣይኰነን። ኣብ ዝቐደመ ምምሕዳር፡ ኣብ 2018 ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ቻይና ወሰኽ ግብሪ ገይሩ። ቻይና’ውን ተመሳሳሊ ግብረ-መልሲ ሂባ ነይራ።
ተንተንቲ ከም ዝብሉዎ ግን ቻይና ነቲ ንግዳዊ ኲናት ዝያዳ ዝተቐረበትሉን ካልእ መፍትሒ’ውን ዝሓዘት ትመስልን።
ከም ግብረ-መልሲ ቻይና ኣብ ልዕሊ ካብ ኣመሪካ ዝኣትዉ ከሰልን ዝተዓሸገ ባህርያዊ ጋዝን ናይ 15% ወሰኽ፣ ኣብ ልዕሊ ዘይተጻረየ ነዳዲን ማሺነሪ ሕርሻን ድማ ናይ 10% ወሰኽ ገይራ ኣላ። እዚ ወሰኽ ዝመጽእ ሰሙን ተግባራዊ ክኸውን ትጽቢት ይገበሮ።
እንተዀነ እቶም ቻይና ወሰኽ ግብሪ ዝኣወጀትሎም ንብረታት ኣመሪካ፡ ኣብ ቍጠባ ቻይና ኣዝዩ ንእሽቶ ለውጢ ጥራይ ከምጽኡ ዝኽእሉ ምዃኖም ገምጋም ኣሶሸይትድ ፕረስ ይሕብር። ቻይና ካብ ኣመሪካ እተእትዎ ንብረትን ጥረ ነገራትን ውሑድ ብምዃኑ ኣብ ባይታ ዝህሉዎ ለውጢ ንኡስ’ዩ።
ንግዳዊ ማዕቀብ ቻይና፡ ንኣመሪካ ብኻልእ ወገን’ውን ክሃሲ ዝኽእል’ዩ። ቻይና ናብ ኣመሪካ ክትልእኮም ዝጸንሐት ወሰንቲ ማዕድናት ደው ከተብል ወሲና ኣላ። እዚ ንሰንሰለታዊ ዋሕዚ ቀረባት ክበትኽ ዝኽእል ኰይኑ፡ እቶም ተዘርዚሮም ዘለዉ ማዕድናት ኣብ ኣመሪካ ንኣዝዮም ወሰንቲ ስራሓት ሃገራዊ ጸጥታ ዘገልግሉ ጥረ ነገራት ምዃኖም ኣሶሽይትድ ፕረስ ይሕብር።
ቻይና ኣዝዩ ጥንቁቕ ወስታ ትገብር ምህላዋ’ዮም ክኢላታት ዝኣምኑ፡ እንተዀነ እቲ ንግዳዊ ኲናት ኣብ ዝተናውሐ፡ ንሰንሰለት ዋሕዚ ቀረባት በቲኹ፡ ንዝቕባበ ከዕቢ ዝኽእል’ዩ ይብሉ።
መንግስቲ ቻይና፡ ንኣመሪካዊ ኩባንያ ጉግል ብምጥሓስ መርመራ ክግብረሉ ምዃኑ ኣመልኪቱ። ትካል ጉግል ካብ መንግስቲ ቻይና በብእዋኑ ጸቕጢ ክገጥሞ ጸኒሑ’ዩ። ቻይና ፈጺማቶ ብዝበሎ ምዕፋን ሓበሬታ፡ ኩባንያ ጉግል ካብ 2010 ኣትሒዙ ንግዳዊ ሽርክነት ምስ ቻይና በቲኹ ጸኒሑ’ዩ።
መንግስቲ ቻይና፡ ኣብ በይጂንግ ማእከል ዝጸንሖም ክልተ ዓበይቲ ኩባንያታት ንግዲ’ውን “ብጉድለት እምነት” ኣብ ፍሉይ መዝገብ ኣስፊሩ ኣሎ።
ብቻይና ዝወስድ ዘሎ ስጉምቲ፡ እተን ኩባንያታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስተን ጸቕጢ ንኽግብራ ድፍኢት ንምግባር ምዃኑ ተንተንቲ ይኣምኑ። ከምቲ ድሕሪ ርክብ ምስ መራሕቲ መክሲኮን ካናዳን ዝተናውሐ ምትግባር ግብሪ፡ ኣብ ዝመጽእ ቀረባ መዓልታት መራሕቲ ኣመሪካን ቻይናን ድሕሪ ምዝርራቦም’ውን ምናልባት ሓደ ለውጢ ክህሉ ይኽእል’ዩ።