ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሻራያት ሶርያ መጥቓዕቲ ተወንጫፊ ሚሳይላት ፈጺማ

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሻራያት ሶርያ መጥቓዕቲ ተወንጫፊ ሚሳይላት ፈጺማ

እቲ ካብ መራኽብ ኲናት ኣሜሪካ ዝተኻየደ ደብዳብ ተወንጫፊ ሚሳይላት: ግብረ መልሲ ነቲ ብመንግስቲ ሶርያ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ሓይልታት እታ ሃገር ኣብ ዝቆጻጸርዎ ቦታታት ዝተኻየደ መጥቓዕቲ ኬሚካላዊ ኣጽዋር ምኳኑ ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ሓቢሮም።

እቲ መጥቓዕቲ ብትእዛዝ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝተፈጸመ ምኳኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ። ፕረዝደንት ትራምፕ ነቲ ትእዛዝ ኣብ ዝሃብሉ: እዚ ንናይ ኣሜሪካ ሃገራዊ ጸጥታ ኣገዳሲ’ዩ ኢሎም።

ሓይልታት መንግስቲ ፕረዚደንት ሶርያ ባሻር ኣል ኣሳድ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ብዝፈጸምዎ ከሚካላዊ መጥቃዕቲ ኣስታት 100 ሲቪል ሰባት ምቕታሉ ይዝከር። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ሶርያ ካብ ሓያሎ ሃገራት ክኹነን ኣኽኢልዎዩ።

ቁጽሪ ኣብ ምብራቓዊ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ዝተደኮና ክልተ መራኽብ ኩናት ኣመሪካ ዝተወንጨፈ ቶምሃውክ ዝተባህለ ሚሳይላት 59 ከምዝኾነ ድማ ብተወሳኺ ተሓቢሩ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ማለት 4:40 ናይቲ ከባቢ ዝተፈጸመ ምንባሩውን ተገሊጹ ኣሎ።