ጉባኤ መራሕቲ ዩናይትድ ስቴትስ ኣፍሪካን ተጀሚሩ

U.S. - Africa Leaders Summit

ጉባኤ መራሕቲ ዩናይትድ ስቴትስን ኣፍሪካ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ምክያድ ይርከብ።ዩናይትድ ስቴትስ ምስ ኣፍሪካ ናይ ንግዲ ምትእስሳር ንምሕያል ቅርብቲ እያ ክብሉ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ጆን ኬሪ ንመራሕቲ ኣፍሪካ ገሊፆምሎም።

ኣስታት 50 ዝኾኑ ፕሬዝዳንትትታን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣንን ኣፍሪካ ንጉባኤ መራሕቲ ኣብ ዋሽንግተን ይርከቡ።ሎማዕንቲ ኣብዝተጀመረ ኣኼባ ጆን ኬሪ ኣብ ኣፍሪካ ኣብተን ዝቕፅላ ሒደት ዓመታት ተኣምራዊ ስግግር ምፍጣር ይክኣል እዩ ኢሎም።

ከምዚ ክብሉ ‘’ኣብ ክንዲ ድኽነት ብልፅግና፣ኣብ ክንዲ ግጭት ድማ ምትሕብባር ምትካል ይክኣል እዩ።’’

ኣብ ዓለም ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየት የመዝግባ ካብ ዘለዋ ገሊአን ሃገራት ኣፍሪካ እየን።እንተኾነ ነጋዶ ዩናይትድ ስቴትስ ብሓፈሽኡ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ምምዋል ኣብ ክልተ ልቢ ኮይኖም ፀኒሖም።ምንስትራት ኣፍሪካ ንኣተሓሳስባ ነፃ ዕዳጋን ምትሕብባር ዩናይትድ ስቴትስን ክሓቕፋ ፀዊዖም ኬሪ።

ኣብ መድረኽ ስቪል ማሕበረሰብ ኣፍሪካ ተረኺቦም ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ሃገሮም ዴሞክራስን ውልቃዊ መሰላትን ክደፍእሉ ፀዊዖም።ሰባት ንመንግስቶም ዝኣምኑ እንተኾይኖም ማሕበረሰብ ብዝበለፀ ክብልፅግን ክረጋጋእን፣ኣብ ህውከትን ኣኽራሪነትን ናይ ምስታፍ ዕድሎም እውን ክትሕትን እዩ ኢላ ዩናይትድ ስቴትስ ትኣምን ኢሎም ኬሪ።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ፅባሕ ሰሉስ ኣብ መድረኽ ንግዲ ዩናይትድ ስቴትስን ኣፍሪካን መደረ ከስምዑ እዮም፤ድሕሪ ፅባሕ ረቡዕ ድማ ኣብ ቁጠባዊ ዕብየት፣ዞባዊ ፀጥታን ሰናይ ምሕደራን ጠሚቱ ኣብዝካየዱ ኣኼባታት ክሳተፉ እዮም።

ዩናይትድ ስቴትስ ኣብዚ ናይ ሰለስተ ማዕልታት ጉባኤ ናብ ሓደ ቢሊዮን ዝፅጋዕ ስምምዓት ንግዲ፣ንስራሕቲ ዕቀባ ሰላም ዝኸውን ተወሳኺ ገንዘባዊ ሓገዝ፣ንምግብን ንፕሮግራማት ሓይሊ ኤለክትሪክን ዝውዕል ሓገዝ ቢሊዮናት ዶላር ዕላዊ ክትገብር እያ።

ኣርባዕተ መራሕቲ ኣፍሪካ ኣብቲ ጉባኤ ንኸይሳተፉ ተገይሮም ኣለው ብመሰረት መግለፂ ሰበስልጣን ዩናይትድ ስቴትስ።ፕሬዝዳንትታት ዙምባቤ፣ሱዳን፣ኤርትራን ሪፓብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪካን።