ክፍለ-ሃገር ኣይዋ ዝተረረ ጸረ-ምንጻል ጥንሲ ሕጊ ንምሕላፍ ትቀራረብ

  • ዜና ቪኦኤ

ብሰልፊ ሪፓብሊካውያን ዝዕበለል ሓጋጊ ኣካል ክፍለ-ሃገር ኣይዋ፡ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ክርክር፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ሰሙናት ጥንሲ ምንጻል ደው ንምባል ውሳነ ኣሕሊፉ። ኣብቲ ንኣስታት 14 ሰዓታት ዝወሰደ ክርክር፡ ተሓለቕቲ መሰል ምንጻል ጥንሲን ኣባላት ሰልፊ ደሞክራትን ነቲ ረቂቕ ኣበርቲዖም ተቓዊሞም። ኣብ ሽዱሽተ ሰሙናት ሓያሎ ደቀንስትዮ ጥንሲ ምሓዘን’ውን ከም ዘይፈልጣ እቶም ተጣበቕቲ ይምጕቱ።

ኣመሓዳሪት እቲ ክፍሊ-ሃገር ኪም ረይኖልድስ ነቲ ሓሊፉ ዘሎ ረቂቕ ናብ ሕጊ ንምስጋሩ፡ ዓርቢ ክትፍርሞ ምዃና ሓቢራ ኣላ።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ክፍለ-ሃገር ኣይዋ፡ ምንጻል ጥንሲ ክሳብ 20 ሰሙናት ፍቑድ’ዩ ጸኒሑ።

ኣመሓዳሪት ኣይዋ ነቲ ረቂቕ ናብ ሕጊ ድሕሪ ምፍራማ፡ ነቲ ውሳነ ተግባራዊ ከይከውን ንምኽልካል፡ ተቓወምቲ ወገናት ምድላዋት ይገብሩ ምህላዎም ተፈሊጡ።