ሕ/ኣውሮጳ 650 ሚልዮን ዮሮ ዝዋግኡ ስምምዕ ምትሕብባር ምስ ኢትዮጵያ ፈሪሙ

ስምምዕ ሕብረት ኣውሮጳን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፈረምሉ እዋን ዝተወስደ

ኮሚሽነር ዓለምለኸ ሽርክነት ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ዩታ አርፕሌነን ትማሊ ሰሉስ 3 ጥቅምቲ 2023 ናብ ኢትዮጵያ ብምብጻሕ ነቲ ድሕሪ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ሓርፊፉ ዝጸንሓ ዝምድና ክልቲኦም ወገናት ንምሕያል ናይ 650 ሚልዮን ዩሮ ስምምዕ ተፈራሪመን ኣለዋ።

ብወገን ኢትዮጵያ ነቲ ስምምዕ ሚኒስቲር ፋይናንስ ኣቶ ኣሕመድ ሽዴ ፈሪሞምዎ ኣለው።

ኮሚሽነር ዓለምለኸ ሽርክነት ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ዩታ አርፕሌነን ኣብ እዋን ምፍርራም እቲ ስምምዕ ኣብ ዝሃብኦ ጋዜጣዊ መግለጺ እዚ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ንዘሎ ሽርክነት ዘለዎ ኣገዳስነትን ጽምዶ ናብ ንቡር ንምምላስ ዘርእይ'ዩ ከምዝበላ’ውን ኣሶሴይትድ ፕረስ ይሕብር።

ንሰን ወሲኸን ይኹን ድኣ እምበር ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ድሕሪ ምጅማር ኲናት ክልል ትግራይ ሓደ ወርሒ ደው ዝበለ ናይ ባጀት ሓገዝ ንኢትዮጵያ ግን ከምዘይቕጽሎ ሓቢረን ኣለዋ።

ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ፈለማ ቃል ኣትዩዎ ዝነበረ ገንዘብ 100-ቢልዮን ዩሮ ከምዝነበረ፣ ውግእ ክልል ትግራይ ድሕሪ ምጅማሩ ግና ደው ክብል ከምዝተገብረ ኣሶሴትድ ፕረስ ጠቂሱ ኣሎ።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተካየደ ውግእ፣ ብዝሖም ዘይተፈለጠ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ዝሞትሉ፣ ጭፍጨፋ፣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ጅምላዊ ጾታዊ መግሃስቲ ዝተፈጸመሉ፣ ጥሜት ንክስዕርር ዝተገብረሉን ግጭት'ዩ ነይሩ ።

ሕብረት ኣውሮጳ ብወገኑ ነቶም ዝተፈጸሙ ገበናት ዝፈጸሙ ክሳብ ዘይተሓተቱ፣ ጽምዶ ናብ ንቡር ኣይምለስን ከምዝበለ ዝዝከር እዩ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ዕድመ ናይ ስራሕ ጊዜ ጉጅለ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ይናዋሕ’ዶ ኣይፋሉን፧ ዝብል ኣጀንዳ ጽባሕ ሓሙስ 4 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ጄኔቫ ክውሰን እዩ።

ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ግና "ኣብ ኢትዮጵያ ግፍዒ ናይ ምፍጻም ሰፊሕ ተኽእሎ ስለዘሎ፣ ንኣሰካፊ ኩነተ ሰብኣዊ መሰላት ተወሳኺ ምጽራይ ምግባር ኣገዳሲ እዩ" ባሃልቲ እዮም።

ዝሓለፈ ወርሒ ወግዓዊ ዝኾነ ሪፖርት ዘቕረበ ጉጅለ ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ "ኣብ ክልል ትግራይ ከቢድን ዝቀጸለን ግፍዒ ሎሚ’ውን ይፍጸም ኣሎ፣ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ፣ ሓቀኛ ተሓታታይነት ንምምጻእ ዝኣተውዎ ቃል ኣብ ምልክት ሕቶ ወዲቁ ኣሎ" ይብል።