ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/መ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበረ እገዳ ኣናዊሕዎ

UNSC

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ እገዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዘናውሕ ውሳነ ቁጽሪ 2385 ኣጽዲቑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ነቲ ረቂቕ 11 ሃገራት ደጊፈነኦ፣ ዝተቃወማ ሃገራት ኣይነበራን፣ ኣርባዕተ ሃገራት ድማ ድምጸ ተዓቅቦ መሪጸን።

ድምጸ ተኣቅቦ ዝመረጻ ሃገራት ቻይና፣ ሩስያ፣ ግብጺን ቦሊቭያን’የን።

ነቲ ረቒቕ ውሳነ ዘዳለወት እንግሊዝ ክትከውን ከላ ኣምባሳደራ ‘ኤርትራ ንኣል-ሸባብ ትሕግዝ ንምህላዋ ዝሕብር መርተዖ ስለዘይተረኸበ ዘተባብዕ'ዩ፣ እንተኾነ ምስ ኮሚቴ እገዳን ፍሉይ መርማሪት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላትን እውን ንክትተሓባበር’ ጸዊዖም።

እዚ ከም'ዚ'ሉ ከሎ፣ ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገ/መስቀል ድሕሪ'ቲ ውሳነ ምንዋሕ እገዳ ኣብ ዝፈነዎ መልእኽቲ ትዊተር ‘ኩሎም ኣባል ሃገራት እቲ ዝቀረበ ክሲ ዕምቆት ከምዘይነበሮ ብዘይጥርጥር ተቐቢሎም’ዮም። ከምኡ ኮይኑ’ውን ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ነቲ ዘይሕጋዊ እገዳ ንምቕጻል ምትእስሳርን ጭብጢን ዘይብሉ ተጠቒሙ’ ክብል መሊሱ።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ዘንበረ ቅድሚ 8 ዓመት ከምዝኾነ ዝዝከር’ዩ።