ኢትዮጵያ ኣብ 2025 ዓ.ም ኣብ ሪጋ ማእኸላይ እቶት ንምስላፍ ዝሓዘቶ ሸቶ ደቂ ኣንስቶ ዓብዪ ጊደ ክጻወታ እየን፤ኣብምስታፍ እውን ይርከባ ኢሎም ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም።ንሶም ነዚ ዝተዛረቡ ክልቲአን ግሎባል ኢንሼትቭ ዝተብሃለ ትካል ‘’ደቂ ኣንስትዮ ተረባሕቲ ቁጠባዊ ዕድላት ንኾና’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተሳለጠ ኣኼባ እዩ።
ብጓል ቢል ክንልቴን ቸልሲ ክልንቴን ዝተመርሐን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣ፈጸምቲ ስራሕ ዓበይቲ ኩባኒያታትን ካልኦት ዕዱማትን ዝተረኽብሉ ዘተ ዕላምኡ ደቂ ኣንስትዮ ተረባሕቲ ቁጠባ ብምዃን ኣብ ሓፈሻዊ ቁጠባ ብዛዕባ ዝህልወን ጊድ ዝጠመተ ነይሩ።
ብጥምየትን ድርቅን እትፍለጥ ዝነበረት ኢትዮጵያ ሽማ ንምቕያር ይኣክል ኢላ ስለዝተልዓለት ዓብየቲ ስትራተጂታት ሓንጺጽና ኩሉ ኣካል ማሕበረሰብ እናሳተፍና ንግስግስ ኣለና ኢሎም።ሓደ ካብቲ ስራሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝሳተፋሉ ምንቅስቓስ ምፍጣር እዩ ኢሎም።
ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኩለመዳይ ልምዓት ክሳተፋ ዘድልዩወን ነገራት ክረኽባ ንምርግጋጽ ደቂ ኣንስትዮ ዋንነት መሬት ክረኽባ መንግስቲ ከምዝሰርሐ ብምሕባር ዛጊት ናይ ዝተረኸበ ዝበሉዎ ዓወት ምኽንያት እውን ፖለቲካዊ ድልውነት፣ንኹሉ ማሕበረሰብ ምውፋርን ህንጡይ ትልምን እዮም ኢሎም። ‘’ቅድሚ ሎሚ ኢትዮጵያ ምስ ዓጸቦን ካልኦት ሽግራትን ተኣሳሲራ እያ ትልዓል ነይራ’’ ዝበሉ ንሶም ብምስዓብ ‘’ይኣክል ክንብል እዋኑ እዩ፤ነዚ እውን እዩ ለውጢ ንሪኢ ዘለና፤ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኣብ ኣእምርኡ ክሕዞን ንለውጢ ድልዊ ኮይኑ ዝሰርሕን ዘሎ’’ኢሎም።ደቂ ኣንስትዮ ከም ኣካል እቲ ምንቅስቓስ ዓብዪ ኣስተዋጽኦ እናበርከታ ይርከባ ኢሎም ብምውሳኽ።
ምሉእ ትሕዝትኡ አብዚ ምስማዕ ይከአል።
Your browser doesn’t support HTML5