ባህርዳር —
ዝሓለፈ ሰሙን ሰኑይ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሰሜን ሸዋ ከባቢ ከተማ ገብረ ጉረቻ፡ ብዕጡቓት ምጭዋዮም ዝተነግረሎም ልዕሊ 100 ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ደባርቕ ክሳብ ሕጂ ከም ዘይተለቐቑ ካብኡ ዘምለጡ ተመሃሮ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።
ዕጡቓት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ እዮም ዝተባህሉ ዕጡቓት ኣብ ሰለስተ ኣውቶቡሳት ተጻዒኖም ንዝነበሩ ተጎዓዝቲ እናሃረሙ ናብ ዱር ምውሳዶም ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቦም ኣለዉ። ናብ ቤተሰቦም እናደወሉ ናይ ሓደ ሚልየን ብር ቤዛ ምሕታቶም`ውን ሓቢሮም ኣለዉ።
ብዛዕባ`ቲ ጉዳይ ብቴሌፎን ዝተሓተተ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሓላፊ ሰላምን ጸጥታን ሰሜን ሸዋ ኣቶ ሰሎሞን ኣበበ ‘እቶም ተመሃሮ ተፈቲሖም`ዮም” ዝብል ሓጺር መልሲ ብምሃብ ስልኩ ምዕጻዉ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ጸብጺባ`ላ።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝፍጸም ቅትለትን ጭውያን ርእይትኡ ክህብ ዝተሓተተ ኣቦ-መንበር ፈደራሊስት ኦሮሞ ዶ/ር መረራ ጉዲና፡ በቲ ተግባር ዝተፈላለዩ ሰባት ከም ዝሳተፉ ድሕሪ ምግላጽ እቲ ጉዳይ ብናጻ ወገን ክጻረ ኣለዎ ኢሉ።
ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣመሪካ ኣምባሳደር ኤርቪን ማሲንጋ፡ ንገንዘብ ተባሂሉ ንተመሃሮን ሰለማውያን ሰባትን ምጭዋይ ጠጠው ክብልን ናይ ልዕልና ሕጊ ክኽበርን ጸዊዑ ኔሩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዝተናውሐ ግጭታት ንገበኛታት ከም ዘተባብዐ `ውን ጠቒሱ።