ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሕጻናት(ዩኒሰፍ) ምስ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ብምትሕብባር ኣብ ምሕደራን ኮምኒኬሽንን ከምኡ`ውን ኣብ ኣጸሓሕፋ ሪፖርት ዝምልከት ስልጠና ሂቡ።
ኣስመራ —
እቲ ካብ 16-18 ታሕሳስ,2016 ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ስልጠና ንመንእሰያት ኣብ መጻኢ ህይወቶም ዕድላት ክኸፍት ዝዓለመ`ዩ።
ሓላፊ ፕሮጀክት ሃማመተኤ ኣቶ ዮሴፍ ገብረጺዮን “እቲ ን35 ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተዋህበ ስልጠና፡ ኣብ ስርሖም ኣብ መዳይ ምሕደራን ኮምኒኬሽንን ብኣድማዕነት ክሕግዞም ትጽቢት ይግበር” ኢሉ።
ዩኒሰፍን ናይ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ልምዓትን ንመንእሰያት ዝኸውን ዕድላት ኣብ ምኽፋት ምስ`ቲ ማሕበር ይሰርሑ ከምዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ`ሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5