ምምሕዳር ፍልስጤም ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕ/መ ካብ ዝነበረትሉ ደረጃ ናብ ዘይኣባልነት ተዓዛቢት ክትከውን ድሕሪ ምውሳኑ፣ፍልስጤማውያን ነበርቲ ቃዛን ምዕራባዊ ገማግምን፣ብታሕጓስ እናጨደሩ ሓዲሮም።
ፍልስጤማውያን፣እቲ ውሳነ፣ሃገር ንምኻን ንዝፀንሖም ውጥን ዘቀላጥፍ ከምኡውን ምስ እስራኤል ንዝጀመርዎ ልዝብ ሰላም ዘጠናኽረልና‘ዩ ይብሉ።
ንእስራኤልን ኣሜሪካን ሓዊስካ ትሻዓተ ሃገራት ነቲ ውሳነ ተቃዊመነኦ። ንእንግሊዝን ጀርመንን ወሲክካ ድማ 41 ሃገራት ድምፀ-ተኣቅቦ ገይረን። እቲ መፀዋዕታ፣ብመብዛሕተአን ሃገራት ኣውሮዻ ተደጊፉ‘ዩ ሓሊፉ።
እስራኤል ነቲ ውሳነ ኣውጊዛቶ‘ላ።እቲ ውሳነ ትርጉም ዘይብሉን ንምስጓም ሰላም ኣየሕግዝን ትብል።