ጻውዒት ኣፍሪቃ ንኣባልነት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ቀፂሉ ኣሎ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ናይጀሪያ ኣብ ኒው ዮርክ ይካየድ ኣብ ዘሎ መበል 79 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ባይቶ ፀጥታ ለውጢ ክግበር ፃውዒት የቕርቡ ምስ ዘለው መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ተፀምቢራ። ኣፍሪቃ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ወንበር ክህልዋ ክትፅውዕ ፀኒሓ እያ። ኣብ ጎናዊ ዋዕላታት ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ይካየድ ኣብ ዘሎ ናይ ምኽክር መድረኻት መደረ ዘስምዑ ሚንስተር ምክልኻል ናይጀሪያ ምትእትታው ለውጥታት ዓለምለኸ ሰላምን ድሕንነትን ዘስፋሕፍሕ እዩ ኢሎም።