ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት 2024 ኣበየኖት ጉዳያት ከተኵር'ዩ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት 2024 ኣበየኖት ጉዳያት ከተኵር'ዩ

መራሕቲ ዓለም ዓመታዊ ዋዕልኦም ካብ ሰንበት ጀሚሮም ኣብ ኒው ዮርክ ከካይዱ'ዮም። ቀንዲ ኣጀንዳኦም ድማ ኵናት ቓዛ፡ ሱዳንን ዩክሬንን ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ`ሎ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረዝ ናይ ሎሚ ዓመት ዋዕላ፡ ኣብ ዓለም ብዘሎ ግጭታት ዝተዓብለለ ከም ዝኸውን ኣተንቢሁ`ሎ።

“ካብ ቁጽጽር ዝወጸ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት ኢና ዘለና። ካብ መንጎኦም ድማ ግጭታት ቓዛ፡ ዩክሬን፡ ከምኡ`ውን ሱዳን ተጠቀስቲ`ዮም።"

ኵናት ቓዛ ዓመቱ ይቐርብ ኣሎ- ልዕሊ 41 ሺሕ ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም፡ ካብ እስራኤል ጅሆ ዝተታሕዙ ኣማኢት ሰባት ገና ኣይተለቐቑን። ኣብ ሕቡራት ሃገራት ምቁራጽ ተኹሲ ንምግባር ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ድማ ዘለዎ ዕድል ትሑት`ዩ።