ዩኔስኮ፡ ተዋጋእቲ ሓይልታት ሱዳን ንሓድግታት'ታ ሃገር ይዘምቱ ኣለዉ ክብል የስምዕ

  • ዜና ቪኦኤ

ፒራሚ መሮ- ሱዳን - ፋይል

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ቅርስን ባህልን(ዩኔስኮ)፡ ዕጡቓት ሱዳን ንብርክት ዝበለ ቤተ-መዘክርን ሓድግታት'ታ ሃገር ይዘምቱ ኣለዉ ክብል የስምዕ ኣሎ።

ዩኔስኮ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ቤተ-መዘክር ከይተረፈ ዝተገብረ ዝምታን ዕንወትን ብዓሙቕ ዘሕዝን`ዩ ይብል።

ኵናት ሕድሕድ ሱዳን ካብ ዝውላዕ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ነቲ ጽልዋ ኵናት ክከታተሎ ከም ዝጸንሐ ዝገለጸ ዩኒስኮ፡ ኣብዚ እዋን`ዚ ግን እቲ ዝምታ ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ምብጽሑ ከም ዘጉሃዮ ሓቢሩ`ሎ።

ሃገራዊ ቤተ-መዘክር ሱዳን ኣብ 1970 ዝተኸፍተ ኮይኑ ንታሪካዊ ንግስነት ፈርዖን ግብጺን፡ ባህልታት ኑባን ሓዊስካ ልዕሊ 2,700 ኣገዳሲ ሓድግታት ዝሓዘ ምንባሩ ዩኔስኮ ወሲኹ ጠቒሱ`ሎ።

ኣብ መወዳእታ`ዚ ዓመት ኣብ ካይሮ ንዝምልከቶም ኣካላት ስልጠና ክህብ ምዃኑ ዝጠቐሰ ዩኔስኮ፡ ብፍላይ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣብቲ ስልጠና ክሳተፉሉ ጸዊዑ`ሎ።