ኣብ መላእ ዓለም ብሰንኪ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ምሽርሻር ዓለምለኸ ትካላትን ሕግታትን ማሕበራዊ ሓድነት ሃገራት ኣብ ስግኣት ወዲቑ’ሎ ክብሉ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ራዓድ ዘይድ ኣል-ሁሴን ኣፍሊጦም።
ጀነቭ —
ንሶም ኣብ ጄኔቭ ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ዓመት ናይ ግምገማ ኣኼባ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ኣብዚ ኩነታት ሰብአዊ መሰላት ዓለም ዘንቆልቆለሉ እዋን ሓደ ብሩህ ኣብነት ኣብ መንጎ መንግስቲ ኮሎምቢያን ተቓወምቲ ጁግለ ፋርክ ዝተበጽሓ ስምምዕ ጥራይ ምኻኑ ይገልጹ ። ኮሚሽነር ዛይድ ራዓድ ኣል-ሁሴን ብተወሳኺ ኣብ ሰሜን ምብራቕ ከተማ ኣሌፖ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ፍሉይ ስኽፍታ ከምዝፈጠረሎም ይሕብሩ።
ምሽርሻር ዓለምለኸ ሕግታትን ትካላትን ስግኣት ዓለምለኸ ምርግጋእ ይኸውን ኣሎ፤ዓሌት መሰረት ዝገበረ ጽልኢ ዘይምክእኣልን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ይጋፋሕ ኣሎ ክብሉ ወሲኾም ኣጠንቂቖም ኣለው።
ምሉእ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይከአል።
Your browser doesn’t support HTML5
ኩነታት ሰብአዊ መሰላት ኣብ መላእ ዓለም የንቆልቁል ኣሎ ክብል ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ