እቲ ቤት ምኽሪ፣ ተቖጻጻራይ ጉጅለ ሶማልያን ኤርትራን፣ መንግስቲ ኤርትራ ንኣል-ሸባብ ከምዝሓገዘ ዘረጋግጽ መርተዖ ኣይረኸበን፣ እንተኾነ ኤርትራ ንናይ’ቲ ዞባ ዕጡቃት ጉጅለታት ትሕግዝ ኣላ ብዝብል ሪፖርት ጉጅለ ተቖጻጻራይ ከምዝተሻቀለ ሓቢሩ’ሎ።
ብዘይካ’ዚ፣ ኤርትራ ምስ ጂቡቲ ካብ ዝተጋጨወትሉ ቅድሚ 7 ዓመታት ንዳሓር፣ብዛዕባ ሃለዋት ጂቡታዊያን ምሩኻት ኹናት ሓበሬታ ንክትልግስ ሓቲቱ።
ናይ’ዚ እዋን ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ጸጥታ እንግሊዛዊ ኣምባሳደር፣እቲ ንሶማልያን ኤርትራን ዝምልከት ውሳነ፣ናብ ድምጺ ድሕሪ ምቅራቦም፣ ብ14 ደገፍ፣ ዜሮ ተኣቅቦን፣ 1 ተቃውሞን ሓሊፉ’ሎ።
መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ‘ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ዘሕለፎ ውሳነ፣ንናይ ገዛእ ርእሱ ሕጋዊ ስልጣን ዘናኣኣሰ’ዩ’ ክብል ነጺግዎ። "ንዝሓጸረ እዋን ንኤርትራን ነቲ ዞባን ክሃሰዮ’ዩ፣ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ግና እቲ ግዳይ ዝኸውን ዓለም-ለኸ ሕግን፡ ምምራት ሕጋዊ ስልጣን ባይቶ ጸጥታ ኣብ ምዕቃብ ኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን`ዩ "
ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ-መጠይቕ አምባሳደር ኤርትራ አብ ሕቡራት ሃገራት ግርማ አስመሮም አብዚ ምስማዕ ይኸአል።
Your browser doesn’t support HTML5
ድሕሪ ስነ-ስርዓት ድምጺ ኣብ ልዕሊ’ቲ ረቂቅ፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታን ዝምልከተን ሃገራትን ዝሃብዎ ሪኢቶ ኣተሓሒዝና ኣቅሪብናልኩም ኣለና (ብእንግሊዝኛ’ዩ)
Your browser doesn’t support HTML5