ፍሉይ ልኡኽ ሕ/ሃ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሶርያ እትገብሮ ዘላ ደብዳብ ከተቋርጽ ይጽውዕ

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሶርያ ጌር ፐደርሰን 10 ታሕሳስ 2024

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሶርያ ጌር ፐደርሰን፡ ድሕሪ ምህዳም በሺር ኣልኣሳድ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሶርያ እትገብሮ ዘሎ ደብዳብ ከቢድ ብረት ከተቋርጽ ሎሚ ሰሉስ ጸዊዑ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ እስራኤል ዛጊት 300 ደብዳብ ነፋሪት ኣብ ሶርያ ምክያዳ ጸብጺቡ።

እስራኤል ኣብ ሶርያ ካብ 2011 ኣትሒዛ በበይኑ ደብዳብ ነፈርቲ ከተካይድ ምጽናሓ ይፍለጥ።

እስራኤል ኣብ ሶርያ እተካይዶ ዘላ ደብዳብ፡ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ካሚካላዊ ኣጽዋር ንምድምሳስ ምዃኑ’ያ እትሕብር።

ድሕሪ ምውጻእ ኣሳድ ምስ ሶርያ እትዳወብ እስራኤል ሰራዊታ ኣብ ዶባታ ኣድልዲላ ምህላዋ ተዓዘብቲ ይገልጹ። እንተዀነ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል እቲ ምንቅስቓስ ሰራዊት ግዜያዊን ንጸጥታን ተባሂሉ ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ።