"ኣብ ኵናት እስራኤልን ሓማስን ብኽልቲኦም ወገናት ገበናት ኵናት ተፈጺሙ`ዩ" ኮሚሽን ሰ/መሰላት ሕ/ሃ

  • ዜና ቪኦኤ

ቓዛ

ሓላፊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ተርክ ኣብ ኵናት እስራኤልን ሓማስን ብኽልቲኦም ወገናት ገበናት ኩናት ተፈጺሙ`ዩ ኢሉ።

7 ጥቅምቲ ብሓማስ ዝተፈጸመ ግፍዒን ንሰባት ጅሆ ምሓዝን ገበናት ኵናት`ዩ ዝበለ ቮልከር ተርክ፡ ብእስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዝፍጸም ዘሎ ጃምላዊ መቕጻዕቲን ንሰባት ብኣስገዳድ ምስጓግን`ውን ገበናት ኵናት`ዩ ኢሉ። ኣብ ዶብ ግብጽን ቓዛን ተረኺቡ መብርሂ ዝሃበ ቮልከር ተርክ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ብግቡእ ክመሓላለፍ ዘይምኽኣሉ ኣዝዩ ዘሕዝን`ዩ ኢሉ።

እቲ በዓል-ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ብተወሳኺ፡ ክልቲኦም ወገናት ንምቁራጽ ተዅሲ ክሰማምዑ ይግባእ፡ እዚ ድማ ብህጹጽ ክስርሓሉ ዘለዎ ጉዳይ`ዩ ኢሉ።

ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ውሽጢ እስራኤል 1,400 ሰባት ክቐትል ከሎ፡ ብመሰረት ሚንስትሪ ጥዕና ቓዛ ድሕሪኡ ብዘይዕረፍቲ ዝቐጸለ ደብዳባት እስራኤል ድማ ልዕሊ 10- ሺሕ ሰባት ቀቲሉ`ዩ፡ ብዙሓት ካብኦም ደቀንስትዮን ሕጻናትን`ዮም።