ሕ/ሃ ነዳዲ ኣብ ገማግም የመን ደው ኢላ ዘላ መርከብ ከውጽእ ምጅማሩ ኣፍሊጡ

  • ዜና ቪኦኤ

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ገማግም የመን ትርከብ መርከብ ዘሎ ነዳዲ ምዝራግ ምጅማሩ ኣፍሊጡ።

ካብታ ዝተሰብረት መርከብ ዝልሑኽ ነዳዲ ንተፈጥሮኣዊ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ከይብክሎ ልዑል ስግኣት ኣሕዲሩ ጸኒሑ`ዩ።

እቲ ሓደጋ እንተኣጋጢሙ ካብቲ ኣብ 1989 ኣብ ኣላስካ ዘጋጠመ ሓደጋ `ኤክሰን ቫልደስ` ኣርባዕተ ዕጽፊ ክኸውን ከምዝኽእል ሕቡራት ሃገራትን ተሓለቕቲ ተፈጥሮ ከባብን ከጠንቕቑ ጸኒሖም`ዮም።

ሕጂ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ዘላ ዓባይ መርከብ ዝርከብ ነዳዲ ናብ ካልእ መርከብ ምስግጋር ከምዝጀመረን ንምስግጋሩ ድማ 19 መዓልታት ከም ዝወስደሉን ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ`ሎ።

ነቲ ምድንጓይ ቀንዲ ጠንቂ ኮይኑ ዝጸንሐ፡ ገንዘብን ኩናት ሕድሕድ የመንን ምዃኑ`ውን ክግለጽ ጸኒሑ`ዩ።