ዋሽንግተን —
ተልእኮ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኮንጎ ዘለዉ ሰራዊቱ ከውጽእ ጀሚሩ።
ን25 ዓመታት ኣብ ደሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ተዋፊሩ ዝጸንሐ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ካማንዮላ ምብራቓዊ ኪቩ ዝነበረ መደበሩ ን ሰበ-ስልጣን`ታ ሃገር የረክብ ኣሎ።
እቲ ብእንግሊዝኛ ምሕጻረ ቃል `ሞኑስኮ` ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓቃቢ ሰላም ሓይሊ 15-ሺሕ ሰራዊት ዘለዎ ኮይኑ መሊኡ ክወጽእ ኣብ መንጎ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኮንጎን ዝርርብ ክግበረሉ ዝጸንሐ`ዩ።
ከምኡ`ውን ስርሑ ብግቡእ ኣይፍጽምን ተባሂሉ፡ ብደቂ ዓዲ ውጹልና ብዝብል ተደጋጋሚ ተቓውሞታት ክግበር ምጽንሑ ይፍለጥ። ነቲ ተልእኮ ዝትክእ ሓይሊ ድማ ካብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ዝተዋጽኣአ ዞባዊ ሓይሊ ይዋፈር ከም ዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ`ሎ።