ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ኤርትራ ብዘይ-ክስን ፍርድን ዝተኣስሩ ኩሎም ክፈትሕን ናብ ቤት-ፍርዲ ከቕርብን ጸዊዑ

ምኽትል ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ኬት ጊልሞር

ምኽትል ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ኬት ጊልሞር፡ ሎሚ ረቡዕ ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ንቤት-ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት መብርሂ ሂባ ኔራ “ብዘይ ክሲ ማእሰርቲ ኣብ`ታ ሃገር ገና ዝውቱር ኮይኑ`ሎ”ኢላ።

እታ በዓልቲ-ስልጣን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣተሓሒዛ፡ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ንኤርትራ ዝተላእከ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ብርክት ዝበሉ ዘሻቕሉ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንሰበ-ስልጣን ኤርትራ ኣልዒሎም`ዮም ኢላ። “ኣድላይነት ምሕያል ስርዓተ-ሕግን ናብ ቤት-ፍርዲ ናይ ምቕራብ ዕድል ክውሃቡን ኣስሚርናሉ ኢና።”

ካብ ጀነቫ ዝተላእከ ጸብጻብ ሊዛ ሽላይን ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ኤርትራ ብዘይ-ክስን ፍርድን ዝተኣስሩ ኩሎም ክፈትሕን ናብ ቤት-ፍርዲ ከቕርብን ጸዊዑ