ዋሽንግተን —
ክልቲኦም ተቐናቓንቲ ወገናት ኩናት ሕድሕድ ሱዳን፡ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ግህሰት ከም ገበናት ኩናት ዝርኣይ`ዩ ዝበለ መርማሪ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት፡ ሓያላት ዓለም ናብ ሱዳን ኣትዮም ንሲቪላት ክሕልዉ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ`ሎ።
እቲ ሎሚ ዓርቢ ዝወጸ ሪፖርት፡ ሰራዊት ሱዳን ኮኑ ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ድጋፍ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት መጥቃዕትን ጾታዊ በደልን ከም ዝፈጸሙ ይጠቅስ። እቲ ሪፖርት ን182 ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ግዳያትን ኣዘራሪቡ ዘዳለዎ ምዃኑ`ውን ሓቢሩ`ሎ። ኣቦ መንበር`ቲ ፈታሺ ጭብጢ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ መሓመድ ቻንዲ ዖስማን እቲ ኩነታት ህጹጽ ጣልቃ ምእታው ዝሓትት`ዩ ይብል።