ኣብ ማእከል ኣልሸባብ ዝቆጻጸሮ ከባቢ ዝዓለበት ሄሎኮፕተር ሕቡራት ሃገራት ተቓጺላ፡ ተሳፈርቲ ተጨውዮም

  • ዜና ቪኦኤ

ንብረት ሕቡራት ሃገራት ዝዀነት ሄሊኮፕተር፡ ድሕሪ ዘጋጠማ ቴክኒካዊ ብልሽት ኣብቲ ኣልሸባብ ዝቆጻጸሮ ከባቢ ድሕሪ ምውራዳ፡ ነቶም ተሳፈርቲን ኣብረርቲን ብምጭዋይ ነታ ሄሊክፕተር ድማ ከም ዘቃጸሉዋ፡ ኣገልግሎት ፈነወ ቋንቋ ሶማል ድምጺ ኣመሪካ ጸብጺቡ።

እታ ሎሚ ረቡዕ 10 ጥሪ 2024 ካብ በልደየወ ናብ ዊሲል እትጓዓዝ ዝነበረት ሄሊክፕተር ኣብ ሕክናዊ ኣገልግሎት ንምግዓዝ ከም ዝነበረት እቲ ዜና ይሕብር።

ስሙ ክዕቀበሉ ዝመረጸ ላዕለዋይ በዓልመዚ ሶማል፡ እቲ ፍጻመ ብቴክኒካዊ ጸገም ምግጣሙ ሓቢሩ።

ብዛዕባ ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ብዝሒ ተሳፈርቲ በበይኑ ጸብጻባት’ዩ ዘሎ። እቲ ኣሃዝ ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ትሽዓተ ከም ዝበጽሕ ግን ይሕበር።